Digital Woyane - ድጅታል ወያነ


Гео и язык канала: Эфиопия, Амхарский
Категория: не указана


Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

Связанные каналы

Гео и язык канала
Эфиопия, Амхарский
Категория
не указана
Статистика
Фильтр публикаций


Репост из: Daniel daba
Видео недоступно для предпросмотра
Смотреть в Telegram
ድርድሩ በስኬት እንዲጠናቀቅ መልካም ምኞት እና ፀሎት እናደርጋለን


❝...ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፍልልያት ልዕሊ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ዝዕቀን ኣይኮነን...the bottom line ረብሓ ህዝቢ፣ መሰል ህዝቢ እዩ።
ህወሓት ኣዳኺምካ ዝጥንክር ግዚያዊ መንግስቲ የለን ፤ ንግዝያዊ መንግስቲ ኣዳኺምካ 'ዉን ዝጥንክር ህወሓት የለን።❞ ~ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

#DigitalWoyane


ህወሓት ብኣፍ ህዝቢ ትግራይ ሚፅ ዶ ፉት?
➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖
ህወሓት ካብ ዝሓለፉ ነዊሕ ዓመታት ዝነበራ ምሕደራ ንህዝቢ ትግራይ ዝገበረቶ ፍሉይ ጥቕምን ዕብየትን ብፍላይ ምዕባለ ሰናይ ምምሕዳር የለን ኢልካ ምድምዳም ድፍረት ካይኸውንን።

➩ ህወሓት ላዕለዎት ሓለፍታ ንምንታይ ብሓዱሽ ወለዶ ዘይትትክእ?
እቲ ዋናን ሓደን ፅምኣት ስልጣን እንትኸውን ወንበረይ ወይ ሞተይ ዝብል መርገፂ ፖለቲካ ዘለዋ ስለዝኾነትን እቲ ኻልኣይን ዋናን ነገር ግን እቶም መብዛሕትኦም ላዕለዎት ኣመራርሓ (ካድረታት) ብግሎም ናይ ትምህርቲ ምዕባለ ስለዘይብሎም እታ ብሕኸኸለይ ክሓከልካ ብዝብል ብጥቕሚ ዝተተሓሓዘ ዝተረኸበት ውህብቶ ስልጣን ብሙሁራትን ብሓደሽቲ ወለዶን እንተተኪኣ መጨረሸኦም ስለዝፈልጥዎ። ካብዚ ሓሊፉ እዞም ብድርቂ ፍልጠት ዝተወቕዑ ካድረታት ዝተመሃረን ሓዱሽ ሓሳብ ዘለዎን ሰብ እንተጋጥሞም ከክንዲ ብፀጋ ምቅባልን ምሕቋፍን ፤ ብተቓራኒኡ ነዞም ሓደሽቲ ሓሳብ ዘለዎም ግለሰባት ይኹኑ ውድባት ከናይሹ ፣ ክኣስሩ ፣ ከጥፍኡን ብሓሶት ጠለመ ክውንጅሉን እቲ ዋና ስርሖም ገዲፎም ፍቖደ እንዳመስተን እንዳ ሓሜት መውዐሊ መሕደሪ ጌሮም ይውዕሉ።

➩ እሞ ኸ ሕዚ እንታይ ሓዱሽ ምዕባለ ኣሰራርሓ ሒዛ እያ ከመሓዳድረኩም ብምባል ትህንጦ ዘላ?
መልሱ ዋላ ሓንቲ እዩ ክኸውን ዝኽእል ፤ ምኽንቱ ክሳብ ሕዚ ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኾነ ምምዕርራይ ፖለቲካዊ ርእይቶ ኾነ ኣሰራርሓ የለን።

➩ ህወሓት ወገናዊነታ ንቶም ብኣፍልጦ ዝተሾሙ ኻድረ ወይ ውልቀሰባት ዶስ ብኣፍልጦ ዝሾማ ህዝቢ?
እዚ እውን ብዘይ ምሕሳብ ዝምለስ መልሲ እዩ። ህዝቢ እንትጉዳእ ከም ቁምነገር ገይራ ዘይትቆፅርስ ፤ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀገም ከም ዘገማ ገይራ ክትሰርሖ ዘለዋ ዘይሰረሐትስ ሓደ ዘይእዘዝ ባዕሉ መንግስቲ ኾይኑ ህዝቢ ዝገፍዕ ውልቀ ካድረ እንትንካእ ሓዙኒ ልቀቁኒ እንታይ ኣምፅኦ?

➩ ህወሓት ድሌት ህዝቢ ትግራይን ራህዋ ህዝቢ ትግራይን ትፈልጦ ድያ?
እወ ትፈልጦ። ምኽንያቱ ህወሓት ትበሃል ካብ ዝኾነ ሰማይ ዝወረደት ዘይኾነትስ ካብ ባዕልና ህዝቢ ትግራይ ብዝወፁ ሰባት ዝተጣየሸት ውድብ እያ። እሞኸ እንታይ ደኣ ፀሚማ እንተኢልና ፤ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮ ካብ ድኽነትን ሰኣን ምምሕዳርን ክናገፍ እንትኸውን ናይዚኦም ፀገማት መበቆል ከዓ ባዕሎም እቶም ሃንዳፋት ካድረታት እንትኸውን (እቶም ንሓቅነትን ንህዝቦም ዘገልግሉ ኻድረ ኣይምልከትን) እዚኦም ፀራሪጋ ምብራር ኣብ ህልውና እታ ውድብ ፀገም ስለዝፈጥር እዩ። ምኽንያቱ እዞም ተኣዚዞም እምበር ሓሲቦም ዘይሰርሑ ካድረታት ብጥቕምን ብዓንዴል ሰንሰለታዊ ስልጣን ዝተነኻኽኡ ስለዝኾኑ። ንህዝቦም ሓሲቦምን ናይ ህዝቢ ትግራይ ሽግር ሽግርና እዩ ኢሎም ዝሰርሑ እኮ ኣይእዘዙናን ኢሎም እዩም ዘባርርዎም ወይ ዘውርድዎም።

➩ ህወሓት እንታይ ትደሊ?
ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ። ኣኸለ። ድሕንነት ስልጣን ህወሓት ዘረጋግፅ ኩሉ ኣድላይ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ። ተሓታትነት ዘይብሉ ቆፂርካ ተረኪብካ ቆፂርካ ዘይተርክቦ ሓላፍነት ዘይምውሳድን ፍሉይ ፃምእ ወንበርን ስልጣንን ዝዕንግሎ ህወሓትነት እምበር ሓሳብ ብሓሳብ ዝሙግት ዝኾነ ውልቀሰብ ኾነ ውዳበ ምዕፋን ፣ ምእሳር ፣ ምብራርን ምፅልእላእን።

➩ ህወሓት እንታይ የድልያ?
እዚ ሕዚ ተጣይሹ ዘሎ ግዜያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ካብ ምምሕዳር ልግስ ኢላ ባዕላ ህወሓት ንባዕላ ክትዳምፀሉ ትኽእልን ፤ ናብ ጓጓ ህዝቢ ትግራይ ወረዳ ድልየትን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብምስማዕ ሱርበቆል ለውጢ ውዳበን ለውጢ ኣሰራርሓን ትገብረሉ ፅቡቕ ዕድል እዩ።

➩ ህወሓት ንምንታይ ሕዚ እውን ነቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ትምነዮን ተኽኢላ ኽፈርስ ወይ ዕድሚኡ ክሓፅር ተዘይኾይኑ ባዕላ ክተመሐዳድር ትደሊ?
፩. ህወሓት ካብ ልምዳ ንሓደ መዓልቲ እኳ እንተኾነ ካብ ስልጣን እንተለጊሳ ዝሞተት ስለዝመስላ
፪. ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕለይን ናተይን ጥራሕ እዩ ካብ ዝብልን መንግስትን ውድብን ፈሊኻ ካብ ዘይምርኣይ እንትኸውን ባዕለይ የብክዐኩም ባዕለይ ይስክተኩም ዝዓይነቱ ፍፁም ድሑር ኣተሓሳስባ ብምውናናን ነዚ ድሑር ኣተሓሳስባ ገዚኣቶን ኣሚናትሉን ትሰርሕ ምህላዋ
፫. ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቶም ናይ ህወሓት ኮራኹር ፣ ፀበብቲ ፣ ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ እዩ ልክዕ ዝብሉ ኻድረታት ከይስጎጉዋ (ውሑዳት ዓቕምን ዓርሰ እምነት ዘለዎም ካድረታት ከም ዘለዉ ከይረሳዕና)።

➩ ህወሓት ብኣፍ ህዝቢ ትግራይ ሚፅ ዶ ፉት?
ሕዚ እውን ኣይረፈደን። ህወሓት ካፍቶም ብዙሓት ውድባት ትግራይ ሓንቲ ውድብ ትግራይ እምበር ብሕታዊት ከምዘይኾነት ፈሊጣ ኮምቲ ከከምግዚኡ ትብሎ ሱርበቆል ግምገማ ጌርና ኢና ከምእቲ ትብሎ ዘይኾነስ ።፤ ኣብ ሓቃዊ ውሽታዊ ፀገማታን ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ፍልይ ዝበለ ገምጋም ብምግባር ንውድብ ህወሓት ዝመርር ስጉምቲ ግን ዘድሕና ብምውሳድን ፤ ንህዝቢ ትግራይ ሓዘኑን ንብዓቱን ዝሕብስ ኣሰራርሓ ምትግባርን ፤ ዝተፈላለዩ ስራሕቲታት ቆፂርካ ዝወሃቦን ቆፂሩ ዘርክብ ቆራፅን ዓርሰ እምነት ዘለዎ ኣመራርሓ ብምሿም ስርሑ ሓለቅኡ ዝኾነ እምበር ብዝኾነ ካድረ ዘይእዘዝ ኣመራርሓ ምጥያሽን ምትግባርን እንተኽኢላ ህዝቢ ትግራይ #ፉት ክብላ ይኽእል እዩ።
እንተዘይኾይኑ ግን ኮምቲ ቅድምሕዚ ብፀበብቲ ኻደረታተይ ዘሽክዐልኩም ዝነበርኩ ሕዚ እውን ከሽክዐልኩም እየ ፤ ከምቲ ቅድምሕዚ ናይ ሓደ ወለዶ ዕድመ ገዚአኩም ካብ ዕንክሊልን ፀገምን ዘየውፀእኩኹም ሕዚ እውን ዝሓለፈ ክደግሞ እየ እንተኾይኑ ፤ ህዝቢ ትግራይ #ሚፅ እዩ ኽብላ።

❝.... ሓደራ ሰማእታትና ናበይ ደብሪናዮ ።
ተተካእቲ ኣመራርሓ ጥንቃቐ ንግበር ...
ወዘተረፈ እንዳበልና ክንዘናጋዕ የብልናን ፤
ብዝትክአና ሓይሊ ቀልጢፍና ክንትካእ ኣለና። ...❞ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ መቐለ ሰማእታት ሓወልቲ ብመስከረም 30, 2007 ዓ/ም ግ.ኣ ካብ ዝገበርዎ ንግግር ዝተወሰደ

ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ኣተሓሳስባን ዝሸራሸረሉ ፖለቲካዊ ምህዳር ህዝቢ ትግራይ ንኽህሉ ኩላትና ንስራሕ!

ኣብ #ኮሜንት ብጭዋ ባህልና ኢህንምሂን በሉ ደቂ ዓባይ ሃገረ ትግራይ። #ሼር ብምግባር ንኹሉ ኣብፅሑልና!

#DigitalWoyane

______
Jᴏɪɴ ᴏᴜʀ ᴛᴇʟᴇɢʀᴀᴍ ᴄʜᴀɴɴᴇʟ:

https://t.me/DIGITAL_WOYANE




👉ደሕንነት ተጋሩን ትግራይን ብኸመይ ይሕሎ?
➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖
፩. ህዝቢ ትግራይ በብግዚኡ ዝበፅሖ ናይ ዘርኢ ምፅናት ብኸመይ ንመክቶ?
ዘሕለፍናዮም ገበን ዘርኢ ምፅናት ብድንገት ሓደ ግዘ ወይ ኸዓ ክልተ ግዘ ዝፀነትናሉ ዘይኾነስ ኾነ ተባሂሉ ንነዊሕ ግዘ ተሰሪሑሉን ተኣቂድሉ ዝግበር ዘርኢ ምፅናት እንትኸውን ፤ ኣንሕና ተጋሩ ኸዓ ዘዝሓለፈ እንዳረሳዕና ንኻልእ ፀነተ ባዕልና ነውፊ። ኖኖኖ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክኣክል ኣለዎ!።

ኣብቲ ሕሉፍ እኹል መፅናዕቲ ተገይሩ ንቀፃሊ ንኸይድገምን ፤ ክድገም ዝመስል ኣዝማምያ እንትህሉ ካብ መበቆሉ ዘምክን ብሳይበርን ብዘመናዊ ኣፅዋርን ዝወነነ #ትካል_ስለያ_ትግራይ (Tigrai intelligence agency) ክጣየሽ ይግባእ።

እዚ ትካል ብንቕሓትን ብብርሒን ንቕድሚት እንዳረአየ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሓደጋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ብሳይንሳዊ ዘምኽን (eliminate or mitigate) ክኸውን ድሕሪ ፀነተ ካብ ዝፍጠር ብፅሑልናየ ፣ ረኣዩልናየ ፣ ሕደጉ በሉልናየ ገለመለ ካብ ዝብል ጥርዓን ዓለምለኸ ትካላት (እሞ ንዘይበፅሑልካ) ቀዲሙ ፀጥ ዘብል ፍሉይ ናን ስለላ ኽእለትን ልዕልና ስነልቦና ዝውንን ትካል ክጣየሽ ይግባእ።

፪. ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶን ግዝኣትን ትግራይ ካብ ዝካየድ ናይ ርስቲ ምቅርማት ብኸመይ ንከላኸልን ውሕስነት ግዝኣትና ንሕሉን?
ብስሩ ኸ ንምንታይ ኢና ናይ ባዕልና ዝኾነ ናይባዕልና ምዃኑ ብዕልን ብግልፅን ዘይንእውጅ? መልሱ ቀሊል እዩ። ‛ባዕልና እንዳሰላዕና እናረከብና ንመን ክንጥይቕን ንመን እሞ ክንወቅስ?’ ዝብል ስፍሕ ዝበለ መፅናዕቲ ዘድልዮ ዳልሳስ የድሊ።

ይኹን እምበር እዚ እውን ግዝኣት ትግራይ ብዝምልከት እኹል መፅናዕትን እኹል ናይ ውሽጥን ናይ ደገን (ዓለምለኸ ምሁራት ዝሰነድዎ) መረዳእታታት እንዳሰነድና ግዝኣትና ሕዚ ትግራይ ካብ ዝሓዘቶ ምምሕዳር ግዝኣት ልዕሊ ዕፅፊ ብሕጋዊ መንገዲ ዘይንምልሰሉ ምኽንያት ኣይክህሉን።

ኣብዚ ጉዳይ ዝርአየኒ እቲ ዋና ፀገም፦ ትሕዝቶ ግዝኣት ትግራይ ፖለቲካዊ ምኽንያት ኾይኑ ውድብ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ትግራይ ቆራፂትን ፈላፂትን ምዃና እዩ። ምኽንያቱ፦ ኣፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ምኽላል ግዝኣት ትግራይ ፤ ንዘመናት ግዝኣት ትግራይ ዝነበረ ትሕዝቶን ብዘመነ ባዕዳውያን ገዛእቲ መሳፍንቲ ዝተመንጠለ ግዝኣትና (ዋላ ናይቲ ኸባቢታት ግዝኣት ትግራይ ዝነበረ መፀውዒ ሽም ብትግርኛ ምዃኑ እንዳተፈለጠ ብዘየግድስ) ምዃኑ እንዳፈለጡ ፤ ብግዚኡ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኾነ ኢሎም ካፍቲ ዝነበሮም ትሕዝቶ ብዝተፀነዐ መንገዲ ብምልጋስን ብምፅናትን ናይ ባዕሎም ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰባት ኸምዘቐመጡ እንዳተፈለጠ ፤ ብሽም ትግርኛ ተዛረብትን ኸባቢኡን ዝብል ናይ ለሃምም ፖለቲካዊ ኣካለላ ግዝኣት ትግራይ ካብ ነባር ትሕዝቶኣ ተሸምሪራ ኣፍቲ ሕዚ ዘለቶ ቦታ በፂሓ እያ።

እሞኸ ሕዚ ዘይፖለቲካዊ ትካል መላሲ ግዝኣት ትግራይ ፤ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ዘካተተ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ትኹረት ዝገበረ በዓል ሞያታት ኣንትሮፖሎጂ ዝሓቖፈ ፤ ኣብ ደገ ዝነብሩ ግዱሳት ምሁራት ተጋሩ ዝሓቖፈ ትካል ክጣየሽ ይግባእ። ክሳብ እቲ ንሓተሉ መዓልቲ ዝበፅሕ ዕዮኦም እናኣመሙ ኽፀንሑ ክግበርን ብግዚኡ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ዝምለሰሉ ንኽኸውን ይሕደር ዘይበሃሎ ዕማምና ክኸውን ኣለዎ።

#ንኣፍልጦኹም ፦ ዓዲ ፫ ናይ ትግራይ ግዝኣት ዝነበሩ ኸባቢታት ብትግርኛ መፀውዒ ዝፅውዑ ዝነበሩ ቁሸታትን ኸባቢታትን ናብ ኣምሓርኛ ይቕይርዎም ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ እኝተሃልዩኹም እስኪ ብጭዋ ባህልና ኣብ ኮሜንት ንካታዕ!!....!!!

መሰል ትግራይን ተጋሩን ምኽባርና ካብ ቀፃሊ ጎንፅን ፅንተትን የትርፈና እምበር ፤ ናብ ኹናት ኣየእትወናን።

ሰላም ኢና ንደሊ! እወ ሰላም ኢና ንደሊ! እሞ ሰላምና ኸሕልወልና ዝኽእል ሓይሊ እውን ኽህልወና ከምዘለዎ ንፍለጥ!

#ሼር ግበርዎ እሞ ነውግዐሉ!

#DigitalWoyane




👉ሓበሬታኹም ይድለ ኣሎ‼️
➖➖➖➖➖➖➖➖➖
ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ መእሰርቲ ዘለዉ/ዝነበሩ ነባራት ኣባል መከላኸሊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንኽትህቡና ብኽብሪ ንላቦ!

ዓለምለኸ ተሟገትቲ ሰብአዊ መሰልን ረድኤት ድርጅታት ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፋሽሽታውያን (መእሰርቲ) ዘለዉ/ዝነበሩ ነባራት ኣባል መከላኸሊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ጥሉል ሓበሬታ ንኽረኽቡ ሕቶ ቀሪቡልና ኣሎ።

ኹላትና ግዱሳት ተጋሩ ኣብ ልዕሊ እዞም ነባራት ኣባላት መከላኸሊ ኢ/ያ ዝበፀሐ ገበናትን መሰል ጥሕሰት በቲ ታሕቲ ዘሎ መፈንጠሪ ተጠቒምኩም ንኽተፍሉጥና ብኽብሪ ንሓትት።

ተጠያቒነት ንኽሰፍን ናይ ኩላትና ግዴታ እዩ!
ጥሉል ሓበሬታ መሰል ጥሕሰት ነባር ኣባላት መከላኸሊ ኢ/ያ ዘለኩም እዚኣ ቅፂ ተጠቒምኩም ለኣኹልና
👉 https://forms.gle/SoNZgQiv4m3rKXt67

ወይ ኸዓ

https://docs.google.com/forms/d/e/1FAIpQLSeqvr0_rEtzNcSzYYrvav4ez2dKSfrunvuTlCVPD4KWGwQRPA/viewform

ኻልኦትና ንኹሉ ንኽበፅሕ #ሼር ንግበሮ!

#DigitalWoyane


Видео недоступно для предпросмотра
Смотреть в Telegram
ኦሮሞና ተጋሩ ምርኮኛን ለመረሸን ጉድጓድ እያስቆፈርናቸው ነው 🥺 .. ይሄኔ ንፁሃንን ሰብስበው ምርኮኛ ብለው ሊረሽኗቸው ነው 😭

ይህ ነው የአረመኔው ጃውሳ ተግባር


Репост из: Daniel daba
#Ethiopia: Blinken speaks of ‘immediately implementing’ #Pretoria agreement in phone call with Abiy

Sec. Blinken “underscored the importance of immediately implementing the cessation of hostilities agreement, including withdrawal of all foreign forces and concurrent disarmament of the Tigrayan forces.”

The #Nairobi Declaration on the “Disarmament of #Tigray armed combatants” stated that “disarmament of heavy weapons will be done concurrently with the withdrawal of foreign and non-#ENDF forces from the region.”

Despite the verification reports by the #AU_MVCM however, the complete withdrawal of Eritrean and non-ENDF forces from Tigray, which falls under the responsibility of the federal government, remained illusive.
https://addisstandard.com/news-blinken-speaks-of-immediately-implementing-pretoria-agreement-in-phone-call-with-abiy/?fbclid=IwAR1tDCsCzPNYPFo6aJZ-P_1yMdr5UY-U1izjUdAEYhK7RL_R-CU3IQxwMVI


❝...ፓትርያሪኩ ቤተ ክርስትያን ኣይወክልም ብላቹ ቀኖና ስትጥሱ ፅድቅ ፤ ሌላ ሲጥሰው ኩነኔ የሚሆንበት ትክክል ኣይደለም።❞
~ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአኵስም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት

❝... ዘኣውገዘ በከንቱ ዉግዝ ዉዕቱ! ❞(በከንቱ ያወገዘ የተገዘተ ነው!) የትግራይ መንበረ ሰላማ አባቶች

#DigitalWoyane


ተርእዮ ምንቅጥቃጥ መሬት ትግራይ
(ተፅሓፈ ብ Tigray sci-Tech)


ተርእዮ ምንቅጥቃጥ መሬት ትግራይ
(ተፅሓፈ ብ Tigray sci-Tech)

ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ ናይ መሬት ምንቅጥቃጥ የጋጥም ኣሎ መንቀሊኡን ሓደግኡን ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ንሎሚ ነዊሕ ትንተና ክፅሕፍ ተገዲደ ።

መሬት ምንቅጥቃጥ (earth quake) ካብቶም ትሕቲ መሬት ርዕዳዊ ምፍላሕ ዝመኸኸ ከውሕን ዝተዓፈነ ናይ ዘመናት ሙቐት ትሕቲ መሬትን ማያዊ ኣካላትን ብዝፈጥሮ ድፍኢት ዝኽሰት geomorphological event ምዃኑ እዩ ።

በዚ መዳይ በፍላይ ድማ ብርዕደ መሬትን ናይ መሬት ስሕበትን ምስንጣቕን (plate movement juncture ) ስሉጥ ምዕባለታት ዝረአየሎ ከባቢ ሓደ እቲ ዓብይ ምውት መሬት ክፋል ዓለምና (The great rift valley) ካብ ኢስራኤልን ጆርዳን ክፋል ባሕሪ ኤዴንን ቐይሕ ባሕርን ኤርትራን ብየማናይ ክንፊ ድማ ባሕሪ ኤደን (Gulf of Aden) ኣቋሪፁ ናብ ሃገርና ይፅምበር ።

ናብ ኣፍሪካ ምስተፀምበረ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ረባዳ መሬት ዓፋር (Afar triangle) እቲ ዝሰፍሐ ክፋል ሓጓፍ ሽንጥሮ (Rift valley) ብገፊሑ ተሰንጢቑን በቢ እዋኑ ስሉጥ ናይ ርዕደ መሬት ክስተታት ዝረአየሉ ናቁጣ (Siesmic zone) እዩ ።

በዚ መዳይ ኣብዚ ከባቢ ክሳብ 90-150 ኪ/ሜ ንኣንፈት ምዕራብ ናብ ዞባ ምብራቕ ዓድግራት ፣ ስንቃጣ ኸምኡ እውን ውቕሮ ፣ ኣፅቢ ፣ ኣጉላዕ ፣ መቐለ፣ ኣብዓላ ወሰን ናብ ዓፋር ዝዋሰና ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ (በተለይ ራያ valley) active seismic zone ካብ ዝባሃሉ ርዕደ መሬት ዝፍፀመሎም ከባቢታት እዮም ።

ካብዚ ቐፂሉ ድማ እቲ ፅልዋ ካብ ኣዋሽ ሸሎቖ ጀሚሩ ብማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣቋሪፁ ኣዋሳን ኣርባምንጭን ኦሞ valley ሒዙ ኬንያ ተሓዊሱ ናብ Victoria ቓላይ ይፅምበር ።

ናብ ትግራይ እንትንምለስ ኽልተ መልክዕ ዝሓዙ ሓደጋታት ይረአዩኒ ፦

1) ዓፋር triangle ሒዙ ክፍጠር ዝኽእል ስንጣቅ መሬት (plate fault) ካብ ቐይሕ ባሕሪ ማይ መሊኡ ምዕልቕላቅን ምውሓጥ ረባዳ መሬት ከባቢታት ትግራይ ።

2) ምስሕሓብ plates ብዝተፈጠረ ውጥጥ ትሕቲ መሬት ሓይሊ ብዝፍጠር ነዃል ዝፍጠር ምፍንዳእ ሓዊ መሬት (volcanic eruption ) ኸምኡ እውን ርዕደ መሬት (earth movement)

3) እቲ ስንጥቕ መሬት እናገፍሐ ምስገደ ብዝፍጠር ኣርተፊሻል ቓላይ ትግራይ ኣብ ኽልተ ኽፋል በተለይ ወሰን ወሰን ዘባታት ምብራቕ ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ብከፊል ምግማዕን ምስማጥ ገለ ከባቢታትን።

እዚ ዘረጋግፆ ኣብቲ ከባቢ Afar triangle ዘዋስና ከባቢታት ትግራይ ርዕደ መሬት ዝፍጠረሉ ጥልቀት በኣሽሓት ኪ/ሜ ጥልቀት ዘይኾነስ ብቐረባ 15 ኪ/ሜ ጥልቀት ምዃኑ እዩ ።

ኻሊእ ኣብ ከባቢ ባዳን ዳሉልን ካብ ቐይሕ ባሕሪ ዝብገስ ስንጣቕ ሓጓፍ ሽንጥሮ ብምስሊ ሳትላይት (satellite imagery) እንትረአ ብፍጥነት ንጎኒ እናገፍሐን ዓብይ ክፍለ-ኣህጉራዊ ምስንጣቕ መሬት (continental drift) ኾይኑ ማይ ዝመልአሉ ዕድል እናዛየደ ምምፅኡ እዩ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ብዝኾነ ፍጥነት ።

እቲ ኻሊእ geological evidence ኣብ ኣማኢቲ ዓመታት ዝፍጠር ዝነበረ መሬት ምንቅጥቃጥን ቅሁም ቮልኮኖን (passive eruption) ኣብ ሒደት ዓመታትን ኣዋርሕን ክደጋገም ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ምምፅኡ እዩ ።

ስለዚ ፅልዋ ናይ ዓፋር ትርያንግል ናብ ትግራይ ይጋፋሕ ኣሎ ብኸይዲ ተፈጥሮኣዊ ስሕበትን ድፍኢትን ውሽጣዊ ክፋል መሬት crust.

እቱ ዝላዓለ ረብሑ ግን ኸይዲ ስሕበት ዓብይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ተኸቲሉ ትግራይ በሪ ባሕሪ ክህልዋ ይኽእል እዩ::


Видео недоступно для предпросмотра
Смотреть в Telegram
Tigray & Christianity !
#TheGreatTigray
#TigrayHistory
#Tigray #Tigrai #ትግራይ
#Ethiopia #ethiopianews
#DigitalWoyane


#ሓበሬታ ፧ ጥንታዊ ገዳም አሲራ መቲራ‼️
ንኹሎኹም ተጋሩ ነጠፍቲ ማኅበራዊ ሚድያ ብፍላይ ሰብ ዝሰአነ ሰብ ልፍዓተይ ተስፋ ፤ ጥበብ ይብራህ ደደቢት ሚድያን ካልኦትን።

ብዛዕባ ጥንታዊ ገዳም አሲራ መቲራ ፤ ከምኡ እዉን ብዛዕባ አባ ገብረ መድህን አማሐዳሪ ገዳም አሲራ መቲራ ዝተዛብዑ ሓሳባት ይመላለሱ አለዉ።

1ይ ነገር አብ ትግራይ ማሕበረ ቕዱሳን ካብ ዘይረገጾ ገዳም አሲራ መቲራ ጥራሕ እዩ።

2ይ አባ ገብረ ምድህን ብትግራዋይነቶም ዘይሕመዩ ካብ ዝኾኑ ሐደ ትግራዋይ እዮም። ባሕግን ራዕይን ደቂቀ እስጢፋኖስ አብ ትግራይ ክምለስ ዐብዪ ድሌት ዘለዎምን እናሰርሕሉ ዝመፁ ሐደ ጅግና ፈላሲ እዮም።

ብዘይ ምፍላጥ ይኹን ፈሊጥካ ዝግበር ሽም ፀለመ ተሎ ክእረም ዘለዎ እንትኸውን ፤ አብ ትግራዋይ ባህሊ ፈፂሙ ቦታ ክህልዎ የብሉን።

ቓለሊ ብማኅበረ ቕዱሳን አብ ምድሪ ክነብሩ ዘይምተፈቐደሎም አባ ገብረ መህን ጥራሕ እዮም።
ገዳም አሲራ መቲራ ይኹን አባ ገብረ ምድህን አብ ጠልቆምቆም ማኅበረ ቕዱሳን ዘይብሉ ጅግና ዝንዕሶም ወዲ ጅግና አቦ እዮም ።

ዝያዳ ዝሰርሕዎ መንፈሳዊ ስራሕቲ አብ ገዳም አሲራ መቲራ ብምኻድ ብዓይንና ሪኢና አሰሮም ምኽታል ልምዲ ንግበር።
ቀዳመ ሰንበት አብ አሲራ መቲራ መውዓሊና ብምግባር መንፈሳዊ ጥበብ ስጋዊ ሐሴት ብምርካብ እዙይ ኽረምቲ ክንጥቀመሉ ይግባዕ መልዕኽትና።እዩ።

አብ ዝሐለፈ ብዛዕባ ኢቲ ገዳም ብገፅና ዝተሰነዱ ፀብጻብ ጽሑፋት ንድሕሪት አለዉ ተኸታተሉ።

ሐምለ ፲፮/፲፩/ ፪ሺህን ፼፭ ዓ መ ግዕዝ

#DigitalWoyane




👉ለጽልመታውያን ሐሰተኛ እና ሴረኞች የተሰጠ ምላሽ‼️
➖➖➖➖➖➖➖➖
ዕውነትን መረዳት ለሚፈልጉ ርቱኣን ሁሉ።
ከ ብፁዕ አቡነ ዲዮስቆሮስ የደቡባዊ ትግራይ ማይ ጨው ሀገረ ሥብከት ሊቀ ጳጳስ።

በነገራችን ላይ ሐሰተኛ መረጃ በየቀኑ የሚሰራጨው መንግስት ተብየው የሁቲ የመን ተዋጊዎች አስታርቃለሁ ዩክሬን ከሩስያ ሰላም አመጣለሁ እያለ ሌትና ቀን የሚባዝነው በዳንኤል ክብረት የሚመራው ሰነፉ መሪያችን መሆኑ ይታወቃል።

#DigitalWoyane




እዚአን እተን ግልፂ ኣብነታዊ ተርእዮታት ዝሓለፋ 30 ማዕልትታት እምበር፤ ኣብይ ኣሕመድን ጉጅልኡን ብዕቱብ በብማዕልቱ ኣብ ፅንተትን ብርሰትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝፍሕሱዎ ውዲትን፤ ዝፍፅሙዎ ዝተዋደደ ወፍሪ ገበን ኵናትን፤ ንፃት እውን ኣየብደዩን፡፡

ስለዙይ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ኣብዝሓ መንበር ዝሓዝካን ውዕል ፕሪቶሪያ ዝፈረምካን መሪሕነት ውድብ ህወሓትን፤

1. ኣብዙ ዓመት ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ ንምጥያሽን ስርሑን ሓላፍነቱን ንምውሳንን ዝወፀ፤ ኣዋጅ ቑፅሪ 364/2015 ዓ.ም ኣበይ ኣተወ? ኣብዙ ኣዋጅ ዓንቀፅ 6 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ዝተቐመጠ ዕላማ ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ፤ «…ህልውና፣ ድሕንነት፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰላማዊ መድረኽ ቃልሲ ምርግጋፅ…» ይብል! ብተመሳሳሊ ኣብዙ ኣዋጅ ዓንቀፅ 7 ንኡስ ዓንቀፅ 1 ንመሰረታዊ መትከላት ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ እንትገልፅ፤ «…ህልውና፣ ድሕንነት፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅን ምኽባርን…» ይብል! ኣበይ ድኣ ኣሎ?

2. ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተቐራሪብካ ተኣማሚንካ ምእንተ ሰላም ምስራሕ ማለት፤ እዛ ዝረኸብናያ ኣፋፍኖት ሰላም ከይንዘርጋ ዓንቀፍቲ ሰላም ከይንኸውን ማለት፤ ጉዳይ ትግራይ ብሳላ ፅኑዕ ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይ በፂሑዎ ካብ ዝነበረ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዝነበሩሉ ብራኸ ኣውሪድካ ናብ ቁፅፅርን ትኳቦትን ኣራት ኪሎ ክወድቕ ምግባር ማለት፤ ንሃለዋት፣ ድሕንነት፣ ክብሪ፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ብኸመይ እዩ ዘረጋግፅ?

ስለዙይ ዲያስፖራ ትግራይ ከም'ቱ ኣብ መፈለምታ ወራር ዘርአናዮ ማዕበላዊ ዓለምለኸ ወፍሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ፤ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ተኣሳሲርና ሓድነትና ኣደልዲልና ድምፂ ህዝብና ክንኸውን ግድን ይብለና!

ብሓው ካሳ ዝተፀሓፈ


ሕማምና ንሓኪም ዘይነገርና ዓቢጥና ምሓዝና፤ ኣብ መወዳእታ ክሓዊ ዘይኽእል መንሽሮ ከይኸውን ስግኣት ኣለኒ!

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀምን ይፍፀምን ንዘሎ ምፅናት ዘርኢ ቀንዲ ቁፅሪ ሓደ ተሓታቲ፤ ገበነኛ ኵናትን ገበን ምፅናት ዘርእን ጀኖሳይደር ኣብይ ኣሕመድ እዩ፡፡

ካብ ማንም ህዝቢ ንላዕሊ እዙ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንሕና ተጋሩ ነስተማቕሮ ንደልዮ! ግና ክፋል ኣካልና ለሚሱ ህዝብና ሐዚ እውን ብኸውሊ ሰላም ይፀንት ይበርስ ኣሎ! ምእንተ እዙ ሰላም ከይንዘርግ ካብ ምፅሓፍን ምዝራብን ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተሸበብናዮ ይኣክል!

እዙ ገበነኛ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ፤ ብኸውሊ ሰላም ንሓንቲ ማዕልቲ እውን ከይደቀሰ፤ ብዕቱብ ቀፂሉሉ፤ ብኹሉ መዳይ ከምህዝቢ ከምዘይንሓዊ ገይሩ ይሓስየና፣ የማስነና የፅንተና እዩ ዘሎ፡፡

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም፤ ክፍፅሞ እየ እናበለ ዘላገፀልና ትሽዓንተ ኣዋርሕ ገዲፍና፤ ዝሓለፋ 30 ማዕልትታት እኳ ምልስ ኢልና እንተርኢና፤ ንሕና ብዝድርብዩልና ማዕልታዊ ኣጀንዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን መግለፅን ዓውዓው ኢልና ተናቑርና ንሓልፎ፤ ንሳቶም ግና ፅንተት እናላመዱና፣ ብዝተተለመ ኣካይዳ ንህዝቢ ትግራይ ካብ መበቆሉ ከብርሱዎ ዝተዋደደ ውዲቶም ይትግብሩ ኣለዉ፡፡

1. ብርሃኑ ነጋ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ጎንደርን ወሎን ኣካቲቱ ዕላዊ መንግስታዊ መግለፂ ኣውፅአ፡፡ ብዘይ ኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን! ንሕና ድማ ንሓደ ማዕልቲ ዓውዓው ኢልና ገዲፍናዮ!

2. ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብያተ ክርስትያናት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ደባርቅ፣ ጎንደርን ሰሜን ወሎን ከሊሎምወን እንተብቅዑ፤ መግለፂ ላጊፅ «...እናፅነትናኩም እንተለና፤ ድምፅና ስለዘየስማዕና ይቕሬታ ቅር ኢሉኩም ድዩ...» ኢሎምና፡፡

3. ኣብ ምዕራብ ትግራይ ልዕሊ 360 ሽሕ ኣምሓሩ ካብ ወለጋን ካልኦት ከባብታት ኣምሓራን ኣምፂኦም ኣስፊሮም ኣለዉ፤ (እዙ መረዳእታ ባዕሎም ኣብ ናይ ባህርዳር ኣኼብኦም ዝገለፁዎ ብፅሑፍ ዘቕረቡዎ እዩ፤ «...500 ሽሕ ክነስፍር ተሊምናስ፤ ክሳብ ሐዚ 360 ሽሕ በፂሕና ኣለና...» እንትብሉ እዮም ይልቃል ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ፀብፃብ ዘቕረቡ)

4. ኣብ መሬት ትግራይ ኣምሓሩ ምስፋሮም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንቶም ሰፈርቲ ብዕሊ ብስም ሚሊሽያ ወተሃደራዊ ስልጠናታት እናተውሃበ፣ ክላሽናት ካብ ኤርትራ እናተጉዓዓዘ የዕጥቑዎም ኣለዉ፡፡ እዙይ ኩሉ ሰፈራ፣ ስልጠናን ምዕጣቕን እንትፍፀም ድማ፤ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ'ቱ ከባብታት ኣለዉ፡፡ ስለ'ዙይ ብዘይኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን!

5. ምስፋኖ ኵናት ገጢመ ብዝብል ዝተዋደደ ላጊፅ፤ ፅንተት ህዝቢ ትግራይን ምጉባጥ ሉዓላዊ መሬት ትግራይን ብውዲት ዘሳልጥ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ 30 ማዕልትታት ነይሩ ኣብ ቅሉዕ ዘረብኡ፤ «ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ጎንፂ ብህዝበ ውሳነ ክፍታሕ እዩ» ዝበለ፡፡ እዙ ጉዳይ ግና ምውጣጥ ዶባት እንተይኮነስ ገዚፍ ሕገመንግስታዊ ክፋል ትግራይ እዩ ተጎቢጡ ዘሎ፡፡ «...ብመሰረት ህገመንግስቲ ዶብ ክልላት ናብ ዝነበሮ ይምለስ...» ንዝብል ስምምዕ ፕሪቶሪያ እዩ ብዕሊ ጥሒሱዎ ዘሎ፡፡

6. ኣብይ ኣሕመድ ንኣገኘሁ ተሻገር ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እንተምፅእ ኣትሒዙ፤ ብተደጋጋሚ ብዲፕሎማሰኛታቱ ኣቢሉ ንኣሜሪካን ኣውሮፓን ኣብ ዘቕረቦ ዘሎ ሓሳብ መፍትሒ ጉዳይ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፤ «…ምእንታን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ደም ምፍሳስ ከይፍጠር፤ እዘን ከባብታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌደራል ኮይነን፤ ብዲያሎግን ብህዝበ ውሳነን መፍትሒ ክግበረለን ኣለዎ…» ዝብል ጎስጓስ እናካየደ እዩ፡፡ ንኣና ግና ንኣዋርሕ ሎሚ ትኣትዉ ፅባሕ እናበለ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብዘየለ ተስፋ የዕሸወና የፅንተና ኣሎ!

7. ንህዝቢ ትግራይ ዝመፀ ረድኤት ማሕበረሰብ ዓለም፤ ብዝተዋደደ መስርሕ ናብ ዕዳጋ ኣውፂኡ ክሳብ ናይሮቢን ኣስመራን እናሸቀጠ፤ ብዝፍሓሶ ውዲት ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይረክብ ክማስንን ክመውትን ፈሪዶምሉ፡፡ ብኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈፀመ ውዲት ምፅናት ዘርኢ እዩ!

8. ሚኒስትር ጥዕና ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ፤ ኣብያተ ጥዕና ትግራይ ናብ ጎንደርን ወሎን ዘካተተ ዕላዊ መንግስታዊ መግለፂ ወዚዑ ኣሎ፡፡ ስለዙይ እቱ ብላዕለዋይ ኣካል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዝውሰን በጀት እዛ ሃገር ብዕሊ በጀት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ጎንደርን ወሎን በጂቱዎ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እዙይ እውን ብዘይ ኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን!

9. ሰሜን ምዕራብ፣ ማእኸልን ኣብዝሓ መሬት ኢሮብን ክሳብ ሐዚ ብኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ተጎቢጡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ፣ ፅንተትን ብርሰትን እዩ ዘሎ፡፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንዘን ከባቢታት ሓራ ምውፃእ፤ ግድነት ኣብይ ኣሕመድ እዩ ነይሩ፡፡

10. ጉዳይ ተሓታትነት ገበን ኵናት ምፅናት ዘርኢ ተዓቢጡ ንኽተርፍ፤ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጣየሸ መፃረዪ ኮሚሽን ናብ ትግራይ ኣትዩ ምፅራይ ንኸይገብር ኣብይ ኣሕመድ ማዕፆ ዓፅዩ ምስከልአ እዩ ዘሎ፡፡

11. ትግራዋይ ብምዃኖም ጥራሕ ንሕገመንግስትን ዓለምለኸ ሕግን ጥሒሶም፤ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሰረቀብርሃን ዝፈፀሙዎ ገበን፤ ብዘይ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንዜግነታዊ መሰሎም ቀንጢጦም፤ ናብ ዘይፈልጡዎ ሃገር ሰጉጎምዎም፡፡ ብሳላ ጅግንነትን ሕራነን ኣቦና ከም ህዝቦም ክቐትሉዎም ስለዘይጥዓሞም እምበር፤ እዙ ተግባር ኣካል ፅንተት ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ብዙሓት ወፃእተኛታት ሰብሙያ ሕጊ እዙ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሰረቐ ዝተፈፀመ ገበን ክኣምኑዎ ከቢዱዎም እዩ፡፡ ብፍላይ ምዕራባውያን፤ ኣይኮነንዶ ንዜግኦም ካብ ሃገሩ ክሰጉ፤ ኣብ ዝኾነ ጫፍ ዓለም ዘሎ ዜግኦም እንተተዓንቂፉ ከመይ ከምዝጣበቑሉን ዝጓየዩን ስለዝፈልጡ፤ ንምእማኑ ዝኸበደ መንግስታዊ ገበን እዩ ኮይኑዎም፡፡ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ኣቦና ዝፈፀሙዎ እዙይ መንግስታዊ ገበን ድማ፤ ንሓደ ውልቀሰብ ንኣቦና ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ልዕሊ ኩልና ተጋሩ ዝፍፅሙዎ ኣካል ተግባር ምፅናት ዘርኢ ትግራይ እዩ፡፡

12. ብሄራዊ ባንክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኲናት ፅንተት ዝነበረ ህዝብና ወለድን ናይ ወለድ ወለድን ምስ መቕፃዕቱ ንክኸፍል ዘገድድ ዘውፅኦ ዕሙት መምርሒ፤ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን! ህዝቢ ትግራይ ከይሓዊ፣ ርእሱ ከየቕንዕ፣ ገዛ ንብረቱ ሸይጡ ክበርስ ዝዓለመ ተግባር ፅንተት እዩ!

13. ኣብ ትሕቲ ወራር ፅንተት ዘሎን ከቢድ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ ዝበፅሖን መንእሰይ ትግራይ ናብ ስፖርት ንኸይምለስ፤ እተን ውሩያት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ካብ'ቱ ዝነበረኦ ብርኪ ወሪደን ንኽወዳደራ ዝብል ውሳነ መንግስቲ ብውነ ዝፍፅሙዎ ዘለዉ ውዲት እዩ::

14. ንሃገሮም ዘገልገሉሉ ኣበል ጡረትኦም ብመንግስቲ ፌደራል ተኸሊኦም፤ ብዘይ ረድኤትን ሕክምናን ብጥምየትን ሕማምን ዝማስኑ ዝሞቱ ዘለዉ፤ ልዕሊ 75 ሽሕ ኣረጋውያን ትግራይ ብኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ዝፍፀም ዘሎ መቐፀልታ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ እዩ::

15. ፍትሒ ዘይረኸቡ ትግራዋይ መንነቶም ገበን ኮይኑ፤ ንዓመታት ኣብ ዝተፋላለየ ቤት ማእሰርትታት ኢትዮጵያ ተዳጉኖም ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ኣይኮነን!


እዚ ጀግና ሓውና ኣፍቲ ቁርፂ እዋን ኣብ ገፁ ዝንበብ ዝነበረ ሓቦ ፣ ኒሕ ፣ ሰዓራይነት ፣ ወነን ሕራነን ሰኑቑ ተስፋ ዓወት ንኹላትና ተጋሩ ዘጋወሐ ኣንበሳ ሽደን በረኻ እዩ።

ኣነ ብዝግባእ ክገልፆ ኣይከኣልኩን እስኪ ዝምጥኖ ሽም ሃብዎ!

ዓባይ ሃገረ ትግራይ ነፃነታ ተጎናፂፋ ናብ ኽብራ ትምለሰሉ ግዘ ክነሕፅሮ ኢና!

ዘልኣለማዊ ኽብርን ሞገስን ንዓባይ ትግራይ ክብሉ ዝተኳሽሑን ንዝኳሽሑ ዘለዉን ብፍላይ ኸዓ ንሰማእታትናን ይኹን!

#DigitalWoyane

Показано 20 последних публикаций.

5 877

подписчиков
Статистика канала