ህወሓት ብኣፍ ህዝቢ ትግራይ ሚፅ ዶ ፉት?
➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖
ህወሓት ካብ ዝሓለፉ ነዊሕ ዓመታት ዝነበራ ምሕደራ ንህዝቢ ትግራይ ዝገበረቶ ፍሉይ ጥቕምን ዕብየትን ብፍላይ ምዕባለ ሰናይ ምምሕዳር የለን ኢልካ ምድምዳም ድፍረት ካይኸውንን።
➩ ህወሓት ላዕለዎት ሓለፍታ ንምንታይ ብሓዱሽ ወለዶ ዘይትትክእ?
እቲ ዋናን ሓደን ፅምኣት ስልጣን እንትኸውን ወንበረይ ወይ ሞተይ ዝብል መርገፂ ፖለቲካ ዘለዋ ስለዝኾነትን እቲ ኻልኣይን ዋናን ነገር ግን እቶም መብዛሕትኦም ላዕለዎት ኣመራርሓ (ካድረታት) ብግሎም ናይ ትምህርቲ ምዕባለ ስለዘይብሎም እታ ብሕኸኸለይ ክሓከልካ ብዝብል ብጥቕሚ ዝተተሓሓዘ ዝተረኸበት ውህብቶ ስልጣን ብሙሁራትን ብሓደሽቲ ወለዶን እንተተኪኣ መጨረሸኦም ስለዝፈልጥዎ። ካብዚ ሓሊፉ እዞም ብድርቂ ፍልጠት ዝተወቕዑ ካድረታት ዝተመሃረን ሓዱሽ ሓሳብ ዘለዎን ሰብ እንተጋጥሞም ከክንዲ ብፀጋ ምቅባልን ምሕቋፍን ፤ ብተቓራኒኡ ነዞም ሓደሽቲ ሓሳብ ዘለዎም ግለሰባት ይኹኑ ውድባት ከናይሹ ፣ ክኣስሩ ፣ ከጥፍኡን ብሓሶት ጠለመ ክውንጅሉን እቲ ዋና ስርሖም ገዲፎም ፍቖደ እንዳመስተን እንዳ ሓሜት መውዐሊ መሕደሪ ጌሮም ይውዕሉ።
➩ እሞ ኸ ሕዚ እንታይ ሓዱሽ ምዕባለ ኣሰራርሓ ሒዛ እያ ከመሓዳድረኩም ብምባል ትህንጦ ዘላ?
መልሱ ዋላ ሓንቲ እዩ ክኸውን ዝኽእል ፤ ምኽንቱ ክሳብ ሕዚ ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኾነ ምምዕርራይ ፖለቲካዊ ርእይቶ ኾነ ኣሰራርሓ የለን።
➩ ህወሓት ወገናዊነታ ንቶም ብኣፍልጦ ዝተሾሙ ኻድረ ወይ ውልቀሰባት ዶስ ብኣፍልጦ ዝሾማ ህዝቢ?
እዚ እውን ብዘይ ምሕሳብ ዝምለስ መልሲ እዩ። ህዝቢ እንትጉዳእ ከም ቁምነገር ገይራ ዘይትቆፅርስ ፤ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀገም ከም ዘገማ ገይራ ክትሰርሖ ዘለዋ ዘይሰረሐትስ ሓደ ዘይእዘዝ ባዕሉ መንግስቲ ኾይኑ ህዝቢ ዝገፍዕ ውልቀ ካድረ እንትንካእ ሓዙኒ ልቀቁኒ እንታይ ኣምፅኦ?
➩ ህወሓት ድሌት ህዝቢ ትግራይን ራህዋ ህዝቢ ትግራይን ትፈልጦ ድያ?
እወ ትፈልጦ። ምኽንያቱ ህወሓት ትበሃል ካብ ዝኾነ ሰማይ ዝወረደት ዘይኾነትስ ካብ ባዕልና ህዝቢ ትግራይ ብዝወፁ ሰባት ዝተጣየሸት ውድብ እያ። እሞኸ እንታይ ደኣ ፀሚማ እንተኢልና ፤ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮ ካብ ድኽነትን ሰኣን ምምሕዳርን ክናገፍ እንትኸውን ናይዚኦም ፀገማት መበቆል ከዓ ባዕሎም እቶም ሃንዳፋት ካድረታት እንትኸውን (እቶም ንሓቅነትን ንህዝቦም ዘገልግሉ ኻድረ ኣይምልከትን) እዚኦም ፀራሪጋ ምብራር ኣብ ህልውና እታ ውድብ ፀገም ስለዝፈጥር እዩ። ምኽንያቱ እዞም ተኣዚዞም እምበር ሓሲቦም ዘይሰርሑ ካድረታት ብጥቕምን ብዓንዴል ሰንሰለታዊ ስልጣን ዝተነኻኽኡ ስለዝኾኑ። ንህዝቦም ሓሲቦምን ናይ ህዝቢ ትግራይ ሽግር ሽግርና እዩ ኢሎም ዝሰርሑ እኮ ኣይእዘዙናን ኢሎም እዩም ዘባርርዎም ወይ ዘውርድዎም።
➩ ህወሓት እንታይ ትደሊ?
ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ። ኣኸለ። ድሕንነት ስልጣን ህወሓት ዘረጋግፅ ኩሉ ኣድላይ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ። ተሓታትነት ዘይብሉ ቆፂርካ ተረኪብካ ቆፂርካ ዘይተርክቦ ሓላፍነት ዘይምውሳድን ፍሉይ ፃምእ ወንበርን ስልጣንን ዝዕንግሎ ህወሓትነት እምበር ሓሳብ ብሓሳብ ዝሙግት ዝኾነ ውልቀሰብ ኾነ ውዳበ ምዕፋን ፣ ምእሳር ፣ ምብራርን ምፅልእላእን።
➩ ህወሓት እንታይ የድልያ?
እዚ ሕዚ ተጣይሹ ዘሎ ግዜያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ካብ ምምሕዳር ልግስ ኢላ ባዕላ ህወሓት ንባዕላ ክትዳምፀሉ ትኽእልን ፤ ናብ ጓጓ ህዝቢ ትግራይ ወረዳ ድልየትን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ብምስማዕ ሱርበቆል ለውጢ ውዳበን ለውጢ ኣሰራርሓን ትገብረሉ ፅቡቕ ዕድል እዩ።
➩ ህወሓት ንምንታይ ሕዚ እውን ነቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ትምነዮን ተኽኢላ ኽፈርስ ወይ ዕድሚኡ ክሓፅር ተዘይኾይኑ ባዕላ ክተመሐዳድር ትደሊ?
፩. ህወሓት ካብ ልምዳ ንሓደ መዓልቲ እኳ እንተኾነ ካብ ስልጣን እንተለጊሳ ዝሞተት ስለዝመስላ
፪. ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕለይን ናተይን ጥራሕ እዩ ካብ ዝብልን መንግስትን ውድብን ፈሊኻ ካብ ዘይምርኣይ እንትኸውን ባዕለይ የብክዐኩም ባዕለይ ይስክተኩም ዝዓይነቱ ፍፁም ድሑር ኣተሓሳስባ ብምውናናን ነዚ ድሑር ኣተሓሳስባ ገዚኣቶን ኣሚናትሉን ትሰርሕ ምህላዋ
፫. ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቶም ናይ ህወሓት ኮራኹር ፣ ፀበብቲ ፣ ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ እዩ ልክዕ ዝብሉ ኻድረታት ከይስጎጉዋ (ውሑዳት ዓቕምን ዓርሰ እምነት ዘለዎም ካድረታት ከም ዘለዉ ከይረሳዕና)።
➩ ህወሓት ብኣፍ ህዝቢ ትግራይ ሚፅ ዶ ፉት?
ሕዚ እውን ኣይረፈደን። ህወሓት ካፍቶም ብዙሓት ውድባት ትግራይ ሓንቲ ውድብ ትግራይ እምበር ብሕታዊት ከምዘይኾነት ፈሊጣ ኮምቲ ከከምግዚኡ ትብሎ ሱርበቆል ግምገማ ጌርና ኢና ከምእቲ ትብሎ ዘይኾነስ ።፤ ኣብ ሓቃዊ ውሽታዊ ፀገማታን ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ፍልይ ዝበለ ገምጋም ብምግባር ንውድብ ህወሓት ዝመርር ስጉምቲ ግን ዘድሕና ብምውሳድን ፤ ንህዝቢ ትግራይ ሓዘኑን ንብዓቱን ዝሕብስ ኣሰራርሓ ምትግባርን ፤ ዝተፈላለዩ ስራሕቲታት ቆፂርካ ዝወሃቦን ቆፂሩ ዘርክብ ቆራፅን ዓርሰ እምነት ዘለዎ ኣመራርሓ ብምሿም ስርሑ ሓለቅኡ ዝኾነ እምበር ብዝኾነ ካድረ ዘይእዘዝ ኣመራርሓ ምጥያሽን ምትግባርን እንተኽኢላ ህዝቢ ትግራይ #ፉት ክብላ ይኽእል እዩ።
እንተዘይኾይኑ ግን ኮምቲ ቅድምሕዚ ብፀበብቲ ኻደረታተይ ዘሽክዐልኩም ዝነበርኩ ሕዚ እውን ከሽክዐልኩም እየ ፤ ከምቲ ቅድምሕዚ ናይ ሓደ ወለዶ ዕድመ ገዚአኩም ካብ ዕንክሊልን ፀገምን ዘየውፀእኩኹም ሕዚ እውን ዝሓለፈ ክደግሞ እየ እንተኾይኑ ፤ ህዝቢ ትግራይ #ሚፅ እዩ ኽብላ።
❝.... ሓደራ ሰማእታትና ናበይ ደብሪናዮ ።
ተተካእቲ ኣመራርሓ ጥንቃቐ ንግበር ...
ወዘተረፈ እንዳበልና ክንዘናጋዕ የብልናን ፤
ብዝትክአና ሓይሊ ቀልጢፍና ክንትካእ ኣለና። ...❞ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ መቐለ ሰማእታት ሓወልቲ ብመስከረም 30, 2007 ዓ/ም ግ.ኣ ካብ ዝገበርዎ ንግግር ዝተወሰደ
ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ኣተሓሳስባን ዝሸራሸረሉ ፖለቲካዊ ምህዳር ህዝቢ ትግራይ ንኽህሉ ኩላትና ንስራሕ!
ኣብ #ኮሜንት ብጭዋ ባህልና ኢህንምሂን በሉ ደቂ ዓባይ ሃገረ ትግራይ። #ሼር ብምግባር ንኹሉ ኣብፅሑልና!
#DigitalWoyane
______
Jᴏɪɴ ᴏᴜʀ ᴛᴇʟᴇɢʀᴀᴍ ᴄʜᴀɴɴᴇʟ:
https://t.me/DIGITAL_WOYANE