🔴⚪️🎙 ጋንታታት ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ውድድራት ክሳተፋ ተወሲኑ።
🔴⚪️👉 ኣብ 2016 ጋንታታት ትግራይ ኣበይ ይሳተፋ ኣብ ዝብል ብዙሕ ሓሳባት ክሸራሸሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጣዊ ውድድራት ንክሳተፋ ተወሲኑ ኣሎ።
🔴⚪️👉 ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ቅድሚ እቲ ጦርነት ካብ ዝነበርኦ ሊግ ሓደ ደረጃ ወሪደን ክሳተፋ ወሲኑ እኳ እንተነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተሳተፍቲ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝኾና ጋንታታት ትግራይን ምስ ሓደ ሓደ ላዕለዋት ኣመራርሓ ፌዴራል መንግስቲ ብዝገብርኦ ዘተ መሰረት ኣብ 2016 ውሽጣዊ ውድራራት ገይረን፣ 2017 ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ንኽምለሳ ፈተነታት እናተገበረ ይርከብ።
🔴⚪️👉 ብፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ ምላሽ ዝረኸበ እዚ ጉዳይ ብኣመሓዳሪ እቲ ሊግ ዝኾነ ሊግ ካምፓኒ ግን ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይመስልን፣ ኮይኑ ግን ዝሓሸ ዕድል ዘለዎ ይመስል። በዚ መሰረት ሎሚ ዓመት ልዕሊ 12 ጋንታታት ዘሳትፍ ጽዋዕ ትግራይ ዝካየድ ይኸውን። ኣብቲ ውድድር ተግባራዊ ዝኾኑ ገደብ ደሞዝ ተፃወቲ ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ደንብታት ኣብ ቀፃሊ መዓልታት ዕላዊ ክግበሩ እዮም።
🔴⚪️📎 ብዝተተሓዘ ዜና ገንዘባዊ ዓቕሚ ጋንታታት ትግራይ ንምጥንኻር ዝዓለመ ቴሌቶን ብ 'EY production' መሪሕነት ከምዝካየድ ተገሊጹ። ቅድም ክብል EY production ን ምስ ናይና ስፖርት ፕሮሞሽን ብምትሕብባር ከካይድዎ ተወሲኑ እኳ እንተነበረ እተን ጋንታታት ኣብ ዘካየድኦ ገምጋም ናይና ስፖርት ፕሮሞሽን ናይ ኣፈፃፅማ ድኽመት ኣርእዩ ብዝብል ካብቲ ምድላው ክቕነስ ወሲነን ኣለዋ።
© ባሎኒ ስፖርት
🔴⚪️⤵️ ተሓወሱታ JOIN ⤵️⚪️🔴
@mekelle70E @mekelle70E @mekelle70E @mekelle70E