ASCENTIG


Channel's geo and language: Ethiopia, English


Rising Above the Noise. Delivering Trusted News.
.
Update Us Here - @ASCENTIG_BOT
#ትግራይ

Related channels

Channel's geo and language
Ethiopia, English
Statistics
Posts filter


#update

ሰበር ሓበሬታ..!

ምምሕዳር ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ሙሉዕ ዞባ ደቡብ ምብራቕን ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣን ዓዲ ጉደምን፥ ምምሕዳር ወረዳ ገጠር ኣላማጣን ሕዚ ኣማሲዩ ሰራዊት ትግራይ ኣትዮም ኣለው!

@ASCENTIG


ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ዠኾኑ ፍስሃ ኪዳኑ(ፍስሃ ማንጁስ)ናይ ስራሕ እግድ ኣንቢሮም።

@ASCENTIG


#update

ተመዛበልቲ ክንምለስ ወሲና ፍለጡልና ኢሎም
ናይ መወዳእታ ውሳነ ንምፍላጥ፤ህወሓት መደራደርቲ ህፁፅ ዋዕላ ክገብሩ ሓቲቱ ኣብ መንጎ ተደራደርቲ ውዕል ፕሪቶርያ ምትእምማን ብዘይምህላውን ተመዛባልን ህዝብን ብዘቅርቦ ዘሎ ሓያል ናይ ይኣክልን ፍለጡልናን መሰረት ብምግባር መደራደርቲ ውዕል ፕሪቶርያ ናይ መወዳእታ ውሳነ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ህፁፅ ዋዕላ ክካየድ እቲ ውድብ ሓቲቱ ከምዘሎ ዶክተር ደብረፅዮን ምስ 60 ተወከልቲ ተመዛበልቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ገሊፆም።

እቲ ተመዛበልቲ ዝወሰንዎ ውሳነ ንምፍፃም ኣብ ጎኒ ስደተኛን ተመዛበልትን ከም ዝኾኑ ውን ኣረጋጊፆም ኣለው።

@ASCENTIG


#Breaking

ንኸተማ ዓዲጉደም ሓዊሱ ኩለን ከተማታት ደ/ምብራቅ።

ተወሳኺ ኽነስዕብ ኢና!

@ASCENTIG


መበል 136 ዓመት ዝኽሪ መሰዋእቲ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሐንስ ራብዓይ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ ኣመራርሓ ሰራዊት ፣ ተወከልቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ፣ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤተ-መንግሥቲ ሃፀይ ዮሐንስ ብድምቀት እናተኸበረ ይርከብ።

@ASCENTIG


#fakenewsalert

ኣብ ዓዲ ግራት ዘሎ ናይ ሰራዊት ትግራይ ምንቅስቓስን ተግባርን ንምኹናን ኢልካ "ሰራዊት ሻዕብያ ኣትዮም ዝብል ጭብቲ ዘይሓዝካ ሓሜታ ኣሎ።" ኢልካ ኣብ ገፅ ፌስቡካ ምልጣፍ እሞ ድማ ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኮይንካ ግን ንቕድሚት ክሳርኡ ምዕባይ እዩ።

ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝተፈለላየ መንገድታት ገይርኩም እቲ ሓቂ ናይ ምርግጋፅ ዕድልን ግዴታን ስለ ዘለኩም "ተሓምዩ፣ ጥርጣረ ኣሎ፣ ይግመት…" እናበልካ ምፅሓፍ ግን ንህዝቢ ዝመላላእን ፀገሙ ዘጋድድን በትሪ ምቕባል እዩ።

@ASCENTIG


መግለፂ ቅዋም ኮሚቴ ኣመራርሓ ዞባ ማእኸል::

@ASCENTIG


ካብ ውድብ ኣክሱማይ ዋዕላ ዝተውሃብ መግለፂ::

@ASCENTIG


"I can't be silent about tigray"
ብዝብል ናብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተፅሓፈ ደብዳበ።

@ASCENTIG


“እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ”

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትማሊ ባሕቲ መጋቢት 2017ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣዘዝቲ ግንባራት ሰራዊት ዝፅሓፉዎ እግድ ብዝፃረር መልክዑ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

እዚ ብሽም እቲ ቢሮ ዝቐረበ መግለፂ እቲ ቢሮ ንባዕሉ ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ ወታደራዊ ክንፊ ናይ ሓደ ጉጅለ ከምዝኾነ ብዕሊ ዘቃልዕን ነቲ ዝተፈጥረ ፀገም ዝያዳ ዘጋድድን እዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ቢሮ ፅሩይ መረዳእታ ዝተረኸበሎም ኣብ ውራ መሬት፣ ጉሕለት ሓፂነ መፂን፣ ጉሕለት ናይ ሓገዝ እኽሊ፣ ስርቂ ማዕድናትን ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዕጥቅን ኮንትሮባንድን ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ትሕቱ ቁፅፅር ከውዕሉ ብመንግሰቲ ዝተውሃቦም ትእዛዝ ዓፂፎም ኣቐሚጦምዎ እናሃለዉ መሓውር መንግስቲ ምፍራስ ከም ምኽባር ሕጊ ኣምስልካ ምቕራቡ ናይቲ ቢሮ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ መን ወገን ምዃኖም ብግልፂ ዘረድእ እዩ።

እቲ ብሽም እቲ ቢሮ ዝወፅአ መግለፂ ሕጊ ምኽባር ዝብሎ ዘሎ በቲ ድሑር ጉጅለ ዝተወሃቦ ናይ ጥፍኣት ጀንዳ ምፍፃምን መሓውር መንግስቲ ምፍራስን ከምዝኾነ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ በቲ ጉጅለ ዝወፅአ ናይ ጉያ ጉያ ዝወፅአ ሓላፍነት ዝጎደሎን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቐጥታ ዘፍርስን መግለፂ ብዘንዕቕ መልክዑ ንፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዘይቕበል ግልፂ ገይሩ ኣሎ።

ነዚ ንምርግጋፅ ድማ “ዘይሰቐሎ ዘውርድ” ዝብል ብብድዐ ዝተመልኦ ኣገላልፃ ብምጥቃም ብሕጊ ንፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተውሃበ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘይኮነስ ናይ ሓደ ጉጅለ ህረፍ ስልጣንን ድሕረትን ንምቕባል ዘለዎ ኣንቅዶ ክንደየናይ ከምዝኸደ በዘይሕንከት ኣቐሚጡ ኣሎ።

ብድማር እንትርአ እቲ መግለፂ ናይ መንግስታዊ መሓውር ዘይኮነስ ናይቲ ድሑር ጉጅለ ቅዳሕ እዩ። እዚ ድማ ሕጋዊ፣ ሞራላውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ግን ስዒቦም ንዝመፅኡ ነገራት ሙሉእ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ብሽም ቢሮ መግለፂ ዘውፅአ ላዕለዋይ መሪሕነት ናይቲ ቢሮ ከምዝኾነ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብግልፂ ክፈልጦ ይግባእ።

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
02 መጋቢት 2017ዓ.ም
መቐለ

@ASCENTIG




#Tplf #now

ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ምክትል ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ኣማኒኤል ኣሰፋን ንተወከልቲ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት ዝርከቡ ተመዛበልትን ተወከልቲ ኣብ ሱዳን ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናትን የዘራርቡ ኣለው።

#ህወሓት

@ASCENTIG


#Tplf

ከንቲባ ከተማ ዓድግራት ብፃይ ረዳኢ ገብረእግዚኣቢሄር ስሩዕ ኣገልግሎት ንምሃብ ናብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣትዩ ሓላፍነቱ ተረኪቡ።

ከንቲባ ከተማ ዓድግራት ኮይኑ ብቤትምኽሪ ዝተሸመ ብፃይ ረዳኢ ገብረእግዚኣቢሄር ብሰንኪ ብውልቀሰባት ዝተሾሙ ምስሌነታት ቤትፅሕፈት ከንቲባ ተረኪቡ ስሩዕ ኣገልግሎት ከይህብ ተጌሩ ፀኒሑ እዩ።

ህዝቢ ከተማ ዓድግራት ብሰልፍን ብዘካየዶም መድረኻትን ብቤትምኽሪ ዝተሸመ ከንቲባ ናብ ቤትፅሕፈቱ ኣትዩ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ እናሓተተ ዝፀንሐ ኮይኑ ሎሚ ከንቲባ ከተማ ዓድግራት ብፃይ ረዳኢ ናብ ቤትፅሕፈቱ እንትኣቱ ከካይዶ ዝፀንሐ ቃልስን ውሳነታቱን ናብ ተግባር ምስግጋሩ ንኢዱ።

#ህወሓት

@ASCENTIG


ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምትፍናን ናብ ኲናት ሰጊሩ ትግራይ ናብዘየድልያ ኲናት ብዘይድሌታ ከይትኣቱ ምግባር ንግዚኡ ዘለና ዓቕሚ ንሱ አዩ ኢሎም ፕሬዝድንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።

ንቲ ሓደጋ ንምክልኻል ድማ ከምህዝቢ ሓድነትና ክነጠናኽር ይግባአ ኢሎም።

@ASCENTIG


ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክውላዕ ኣብ ዝኽእል ኩናት፤ ከም ትግራይ ነቲ ኩናት ክተርፍ ምፅዓር የድሊ ኢሎም ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክውላዕ ኣብ ዝኽእል ኩናት ከም ትግራይ ነቲ ኩናት ክተርፍ ምፅዓርን ሰምምዕነት ፕሪቶርያ ክትግበር ምስራሕን የድሊ ኢሎም ካቢኔ ሴክሬቴርያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩናት ክውላዕ ዘኽእል ምድላው ከምዘሎን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኲናት ክውላዕ ከምዝኽእልን አብ ሆርን ኣፍሪካ ጂኦፖለቲካል ሪቪው ኣብ ዝተሓተመ ፅሑፎም ዝገለፁ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ትግራይ ማእኸል ዓውደ ውግእ ከይትኾውን ጥንቃቐ ምግባር የድሊ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ኩናት እንተተወሊዑ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዝህውኽን ብዙሓት ኣካላት ኢዶም ዘእትውሉን ክኾውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።

እቲ ኩናት እንተተጀሚሩ ይንዋሕ ይሕፀር፣ መን ይተዓወት? ብዘየገድስ ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ዕንወት ከስዕብ እዩ ኢሎም።

እቲ ኩናት እንትውዳእ ውን ሐዚ እንፈልጦ ኣወቓቕራ ከባቢታት ክቕየር ይኽእል እዩ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ነገራት ከቀያየር ይኽእል እዩ ክብሉ ኣመላኺቶም።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከም ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ውን ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ኩናት ዝተርፈሉ ኩነታት ንምፍጣር ምፅዓር እዩ እቲ ዝሓሸ መማረፂ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ዓለምን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኣካላትን እዚ ሓደገኛ ኩናት ንምትራፍ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ገሊፆም ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

@ASCENTIG


“ጠበቓ ገበነኛታት ምዃን የብቅዕ”

ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ስርዓተ መንግስቲ ፈጢሩ ፤ ብስርዓትን ሕግን ዝምራሕ ፤ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝአምን ፤ ውሕሉል ህዝቢ ምዃኑ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። እንተኾነ ግና ኣብዞም ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ፅንተት ኲናት ስርዓተ ኽብሩ ፣ ስርዓት ብዘይብሎም ወረርቲ ፈሪሱ ፤ ሃይማኖቱን ባህሉን ተጋሂሱ ፤ ነውርን ንቡርን እንዳተሓዋወሱ ምኻድ ካብ ዝጅምሩ ፀኒሖም ኣለዉ።

ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተጠቒሞም ሰላም ክሰፍን ፤ናይ ሕጊ ልዕልና ክነግስ ዓበይቲ ፃዕርታት ይገብሩ እኳ እንተፀንሑ እቶም ፀገማት ግን ኣብ ክንዲ ዝመሓየሹ ካልእ ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዞም ፤ ብስልጣን እንዳተደገፉ ፤ ኣሰላልፋ ፈጢሮም ንህዝብና ናብ ዘይወፆ ዓዘቕቲ ከእትውዎ እዮም ዝረኣዩ ዘለዉ ። ህዝቢ ትግራይ እውን ነዞም ፀገማት እዚኦም ክኹንን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ናይ ሕጊ ልዕልና ይከበር ! ፤ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ይቕረቡ! ዝብሉ ጭርሖጦታ ተሓንጊጡ ኣደባባያት ምውፃእ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ጊዜ ኾይኑዎ ‘ሎ ።

ሰራዊት ትግራይ እውን ነዞም ፀገማት እዚኦም ንምእላይን ንምእራምን ተደጋጋሚ መግለፂታት እንዳሃበ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ናይ ተግባር ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ግምባር ኣዘዝቲ ናይ እግድ ደብዳቤ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ተፃሒፉ ሪኢና ‘ለና ።

ይዅን እምበር እዚ ስጉምቲ እዙይ ናይቲ ትካልና ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ ፤ ዘይሰቐሎ ዘውርድ ፤ በይናዊ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ስልጣንካ ተጠቒምካ ገበንን ገበነኛታትን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንድሕሪት ዝመልስ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል እንዳሓተትና ፣ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ሕግን ሕገ መንግስትን ናይ ምኽባር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ንህዝብና ነፍልጥ ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን
ዐ2/07/2017 ዓ/ም

@ASCENTIG




#Tplf

“ህዝባዊ ሰራዊትና ብሽርሒ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኣይፈርስን”
=============================

ህወሓት ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ዝፈፀሙን ዝፍፅሙ ዘለውን ኣመራርሓ ካብ ኣባልነት ኣባሪሩ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሮም ውክልና ውን ኣልዒሉ እዩ። እንተኾነ ግን እዞም ብዕሊ ካብ ሓላፍነቶም ዝተለዓሉ ነበር ፕረዚደንት ኮነ ካልኦት ኣባላት እቲ ጉጅለ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ብወነኖም ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ኣብ ምቕፃል ይርከቡ።

ሓድነት ህዝብና በቲኑ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ብምድኻም ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ነበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሕዚ እውን እዚ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ንምምካትን ህልውና ህዝቡ ንምርግጋፅን ዝተወደበ ሰራዊት ትግራይ ንምፍራስ ክገበሮ ዝፀንሐ ሽርሒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝለዓለን ኣዝዩ ሓደገኛን ብርኪ ኣሰጋጊርዎ ኣሎ።

ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኮይኑ ልኣላውነት ህዝብና ከውሕስ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቡ ክምለስ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ንዝኸፍል ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊትና ከፀልሞን ከዋርዶን ዝፀንሐ ዕሉል ውልቀመላኺ ነበር ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ወፃኢ ንኣመራርሓ ግንባራት ሰራዊት ትግራይ ከም ዝኣገደ ገሊፁ ኣሎ።

እዚ እገዳ ዝኾነ ይኹን መሰረት ዘይብሉን ዘይትግበርን እኳ እንተኾነ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደየናይ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዓቕምታት ህዝባዊ መኸተና ንምብታን ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ከምዘሎ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ተግባር ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሰንሰለት ሰራዊት ብባህሪኡ ንቕፅበት እውን ክቋረፅ ዘይግባእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብዚ ተኣናፊ ኩነታት መራሕቲ ግንባር ኣጊደ ኣለኹ ምባል፤ ኮነ ተባሂሉ ተቓላዓይነት ክውስኽ ንምግባርን ልኣላውነትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ዝተኣለመ ካሊእ ክሕደት እዩ።

ዝኸበርካ ተቓላሳይ ህዝብና ፣ ዝኸበርካ ኣብ ኩሉ ብርክታት ዘለኻ ጅግና ዋሕስ ህዝብኻ ዝኾንካ ሰራዊትና፣ ዝኸበርካ ኣባል ውድብና እዚ ተመሓላሊፉ ዘሎ እገዳ ኣመራርሓ ሰራዊት ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ዘይፍፀምን ምዃኑ ተገንዚብኩም ንምውሓስ ብሄራዊ ህልውና ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ከምተጠናኽሩ ህወሓት ይተኣማመን።

እዚ ናይ ክሕደት ጉጅለ ረብሓታት ህዝብና ንምህጋርን ዓቕምታትና ንምብታንን በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ ቃልስኹም ክተሐይሉ ህወሓት ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ።

ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!

#ህወሓት

@ASCENTIG



19 last posts shown.