#Tplf
“ህዝባዊ ሰራዊትና ብሽርሒ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ኣይፈርስን”
=============================
ህወሓት ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ብሄራዊ ክሕደት ኣብ ዝፈፀሙን ዝፍፅሙ ዘለውን ኣመራርሓ ካብ ኣባልነት ኣባሪሩ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሮም ውክልና ውን ኣልዒሉ እዩ። እንተኾነ ግን እዞም ብዕሊ ካብ ሓላፍነቶም ዝተለዓሉ ነበር ፕረዚደንት ኮነ ካልኦት ኣባላት እቲ ጉጅለ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ብወነኖም ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ኣብ ምቕፃል ይርከቡ።
ሓድነት ህዝብና በቲኑ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ብምድኻም ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ነበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሕዚ እውን እዚ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ንምምካትን ህልውና ህዝቡ ንምርግጋፅን ዝተወደበ ሰራዊት ትግራይ ንምፍራስ ክገበሮ ዝፀንሐ ሽርሒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝለዓለን ኣዝዩ ሓደገኛን ብርኪ ኣሰጋጊርዎ ኣሎ።
ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኮይኑ ልኣላውነት ህዝብና ከውሕስ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቡ ክምለስ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ንዝኸፍል ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊትና ከፀልሞን ከዋርዶን ዝፀንሐ ዕሉል ውልቀመላኺ ነበር ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ወፃኢ ንኣመራርሓ ግንባራት ሰራዊት ትግራይ ከም ዝኣገደ ገሊፁ ኣሎ።
እዚ እገዳ ዝኾነ ይኹን መሰረት ዘይብሉን ዘይትግበርን እኳ እንተኾነ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደየናይ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዓቕምታት ህዝባዊ መኸተና ንምብታን ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ከምዘሎ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ተግባር ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ሰንሰለት ሰራዊት ብባህሪኡ ንቕፅበት እውን ክቋረፅ ዘይግባእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብዚ ተኣናፊ ኩነታት መራሕቲ ግንባር ኣጊደ ኣለኹ ምባል፤ ኮነ ተባሂሉ ተቓላዓይነት ክውስኽ ንምግባርን ልኣላውነትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ዝተኣለመ ካሊእ ክሕደት እዩ።
ዝኸበርካ ተቓላሳይ ህዝብና ፣ ዝኸበርካ ኣብ ኩሉ ብርክታት ዘለኻ ጅግና ዋሕስ ህዝብኻ ዝኾንካ ሰራዊትና፣ ዝኸበርካ ኣባል ውድብና እዚ ተመሓላሊፉ ዘሎ እገዳ ኣመራርሓ ሰራዊት ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ዘይፍፀምን ምዃኑ ተገንዚብኩም ንምውሓስ ብሄራዊ ህልውና ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ከምተጠናኽሩ ህወሓት ይተኣማመን።
እዚ ናይ ክሕደት ጉጅለ ረብሓታት ህዝብና ንምህጋርን ዓቕምታትና ንምብታንን በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ ቃልስኹም ክተሐይሉ ህወሓት ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ።
ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!
#ህወሓት
@ASCENTIG