"ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘብዒ ብሄራዊ ትካል ኮይኖም ፣ዋሕስ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክኾኑ እዩ ዝግባእ ፡ብሓይሊ ስልጣን ንሓደ ጉጅለ ንምርካብ ዝግበር ምንቅስቃስ ግና ንትግራይ ሓደጋ ሒዙ እዩ ዝመጽእ"
ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት
ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት ዝመስረታ ሰለስተ ውድባት ትግራይ ፣ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)፣ ውድብ ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)ን ውድብ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉእላውነትን (ዓረና)ን ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን ኣለዎ ።
ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት ፡ "ስልጣን ሓደ ጉጅለ ብብረት ክምልሱ ይንቀሳቐሱ ዘለው ገለ ኣካላት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ " ዝበልዎም ተግባሮም ደው ከብሉ እዩ ፀዊዖም ዘለው ።
እቲ ኪዳን "ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘብዒ ብሄራዊ ትካል ኮይኖም ፣ዋሕስ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክኾኑ እዩ ዝግበኦም ኢልና ኣብ እንጽውዐሉ ግዘ ፣ ኣካላት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሓደ ውድብን ጉጅለን ምዃኖም ብተደጋጋሚ ገሊጾም ኣለው " ኢሉ።
በዚ ኣካይዳ "ሓደ ጉጅለ ህወሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምሓዝ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣት የውድቖ ኣሎ" ክብሉ ዝኸሰሱ እቶም ኣመራርሓ እተን ውድባት፤ "ስልጣን ንዓይ እዩ ዝግባእ ኢሉ ዝኣምን ጉጅለ ህወሓት" ህዝቢ ክርዕድ ፣መንእሰይ ክሰግእን ክስደትን ምክንያት ይኸውን ኣሎ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም ።
ብሓይሊ ስልጣን ንሓደ ጉጅለ ህወሓት ንምርካብ ዝግበር ምንቅስቃስ ንትግራይ ሓደጋ ሒዙ እዩ ዝመጽእ"ብምባል ህዝቢ ትግራይ ነቲ ምንቅስቃስ ክኹንኖ ከምዝግባእን ነቲ ውሳነ ስዒቡ መናእሰይ ዓዶም ገዲፎም ይስደቱን ግዳይ ሞት ይኾኑ ከምዘለውን እውን ኣመላኺቶም።
ገለ ኣካላት ውሳነ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ " ትግራዋይ ካብ ትግራይ ክሃድም፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝነበሮም እምነት ክንክን ምኽንያት ይኸውን ኣሎ " ዝበሉ እቶም ኣመራርሓ እተን ውድባት "ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ዓዲ እናጠፈኣ ሱኽ ኢሉ ክርኢ ግቡእ ከምዘይኮነን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክወስድን" ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።
ዝኾነ ይኹን ብሓይሊ ዝመጽእ ምምሕዳር ቅቡልነት የብሉን ዝበለ ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት " ኣካላት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ዝገብርዎ ዘለው ቅቡሉነት ዘይብሉን " ዝበልዎ ምንቅስቃስ " ንትግራይ ናብ ሕምስምስ ዘእቱን " ብሙኻኑ ደው ክብል ንፅውዕ ኢሎም ።
ኣብዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ኢድ ኣለውም ዝበልዎም ኣካላት ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ እውን እቲ ኪዳን ኣመላኺቱ።
ከም ህዝቢ መንግስትነትና ክንሕሉ ኣለና ዝበለ እቲ ኪዳን፣ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ብዝተፈጠረ ምፍንጫል መንግስትና ከፍርሱ ክንፈቅድ ኣይግባእ ኢሉ።
ዝተወረረ መሬትናን ህዝብናን ብሰለማዊ መንገዲ ክንመልስ ኢልና ዘውረድናዮ ብረት ሎሚ ንስልጣን ሓደ ጉጅለ ተባሂሉ ዝቐንዕ ብረት ክህሉ ኣይግባእን እውን ኢሉ።
ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ፓለቲካዊ ሓይሊ ዓርሶም ነጻ ከውጽኡን ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ንጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደጊፉም ሕግን ስርዓትን ክሰፍን ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ኣመራርሓ እተን ውድባት ኣመላኺቶም።
@ASCENTIG