Postlar filtri


ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ግዝያዊ ናይ ስራሕ እግድ ኣንቢሮም።

@ASCENTIG


ስጉምቲ ፀጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘይሕጋዉያን ደለልቲ

መሓዉር ፀጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘይሕጋዉያን ደለልቲ ስጉምቲ ወሲዱ። ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ተዋፊሮም መናእሰይ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ መገዲ ጥፍኣት ዝመርሑ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ዉልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዉዒሎም ኣለዉ።

ካብ ጁቡቲ ናብ የመን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 180 ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ሃለዋቶም ከምዝጠፉአ ዝዝከር እዩ። ካብኣቶም ቁፅሮም ንግዚኡ ዘይተፈልጠ ብዙሓት ተጋሩ ከምዝርከብዎም ድማ ዝተረጋገፀ ሓቂ እዩ።

በዙይ ምኽንያት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዉያን ደለልቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቅፅል ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንእሰይ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ምዕራብ ንጥፍኣት፣ ንስደትን መከራን ዝተፈጠረ ኣይኮነን። ልሙዕ መሬቱ፡ መሬት ምዕራብ ሓሪሱ ኣለሳሊሱ ክበልዕ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ መረበቱ ክምለስ ይግባእ።
ስደት ይኣክል!

@ASCENTIG


“ኣብ ትሕት ወረዳ ቤተ ክህነት ራያ ኣላማጣ ኣብ ትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ጥሙጋ መምህር ቅኔን ፀዋትወ ዜማን ዝኾኑ መምህር ገብረመድህን ትኩዬን ኣርባዕተ ደቀመዛሙርቶምን ግፍዓዊ መቕተልቲን ናይ ክልተ ደቀ መዛሙርት መጉዳእቲን ኣመልኪቱ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ብሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ”

@ASCENTIG


“መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ”

ሓደጋ ህልውና ትግራይ ኮይኖም ቀፂሎም ዘለው ጉጅለታት ህወሓትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኦምን፡ ሐዚ ድማ ቀሊል ዘይበሃል ቁፅሪ ኣመራርሓ ሰራዊት ተሓዊሶምዎ ትግራይና ካብ ፀልማት ናብ ደልሃመት ክትኣቱ ይገብሩ ኣለው። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝነዝሕዎ ዘለው ራዕድታት ድማ እኹል መርኣያ እዚ እከይነት ኮይኑ ንረኽቦ።

ንሕሽክርና ደጋዊ ሓይልታት እናተቐዳደሙ ትግራይና ከጥፍኡ ህርዲግ ምባሎም ከምዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብና ነቓዕ ፈጢርኻ ዘላቒ ዕግርግር ንምትእትታው ብዝጥምት መገዲ ድማ ብዝቆፃፀሩዎም ሚድያታት ዝፍኑዉዎም ዘለው ጎንፂ ዘለዓዕሉ ነፍሕታት ቅርሕንትን መደረታት ፅልእን ድማ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ተርእዩ ብዘይፍለጥ ብርኪ ሓፍ ብምባል ጠንቂ ሓድነት ብሄረ ትግራይ ኮይኖም ይርከቡ።

ትግራይ ስምረታ ዓቂባ ብደጋዊ ሓይልታት ዝሰኣነቶም ረብሓታት ይትረፍ ክተምልስ፡ ከም ትርጉም ዘለዎ ሓይሊ ኮይና ደጊማ ከይትለዓል ፀረ ብሄር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብዝተሸከሙ ጉጅለታት ህወሓት ይስራሕ ኣሎ። እዚ ድሑርን ፖለቲካ ጠፊእካ ምጥፋእን ንመራሕቲ ሰራዊት ሓዊሱ ብኩሎም መራሕቲ ህወሓትን ካድረታቶምን እናተሰርሐሉ ኾይኑ፡ ብኣጋኡ ደው ተዘይሉ ህዝብና ናብ ሓደጋ ምብትታን ዘብፅሕ ግናይነት ምዃኑ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።

ምልኣተ ህዝብና ካብዚ ሓደገኛን ድሑርን ፖለቲካ ንዓርሱ ብምሕላው፡ ፖለቲካ ሓይለ-መልጢ ከም ንቡር ወሲዶም ሓዊ የሳውሩ ንዘለው በለፀኛታት ኣብ ምባል ኣብ ጎኒ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ክትኾኑ እናፀዋዕና፤ መርዚ ፅልኢ ካብ ዝድፍኡሎም ኣዳራሻትን ሚድያታትን ህወሓት ዓርሱ ንከርሕቕ ድማ ንፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
01 መጋቢት 2017
ትግራይ ፡ መቐለ

@ASCENTIG


“ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘፍርስ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ደው ክብል ይግባእ”

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ነዚ ዝበሉ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ይህብዎ ኣብ ዘለው መብርሂ እዩ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ፣ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ታሕቲ እግሪ ከይተኽል ዝግበር ዝነበረ መንገዲ ሐዚ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እውን ተጠቒምካ ስልጣን ብሓይሊ ንምሓዝ ማህተም ናብ ምምንጣል ከምዝዓበየ ኣመላኺቶም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓስ ደው ከብልዎ ዘተሓሳሰቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣እቲ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሓድነት እቲ ስራዊት ዝዘርግ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ እውን ኣመላኺቶም።

ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ውሳነ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘሕለፍዎ ውሳነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዩ ደው ክብል ከምዝወሰነ ድማ ኣዘኻኪሮም።

መንግስቲ ናይ ምፍጻም ዓቅሙ ክዳከም ተገይሩ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ሐዚ ድማ ብሓይሊ ምምሕዳራት ንምልዋጥ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ማህተም ክምንጥሉ ናብ ጣብያታት ክወርዱ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ከምዘሎ ገሊጾም።

መንግስቲ ዝልወጠሉ ዓርሱ ዝኸኣለ መንገዲ ከምዘሎ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ክግበር ዝድለ ለውጢ ብስርዓትን ሕግን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሎም።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘፍርስ ተግባር ደው ክብል ከምዘለዎ ዘመላኸቱ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ሐዚ ዝምዕብል ዘሎ ዞባዊ ፀጥታዊ ኩነታት ተንቲንካ ከመይ ይፀልወና ኣብ ዝብል ከነተኹር እዩ ዝግባእ ኢሎም።

ክብራትን ክቡራትን ምሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ኣብ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ኢሉ እውን ኣብ ኩሎም ኣማራፅታት ማሕበራዊ ሚድያ ክቐርብ እዩ።

@ASCENTIG


ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣድሂቦም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

@ASCENTIG


ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት መበገሲ ብምግባር ብጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ውሳነ/ሞሽን ሓሳብ ተመሓላሊፉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ታሕቲ መሰረት ከይህልዎን ብኡ ኣቢልካ እውን ኣብ ከይዲ ንምፍራስ ኣብ ጣብያታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ንዘለዉ ምምሕዳር ኣካላት ዝግበር ዘሎ ማሕተም ምምንጣል ምንቅስቓስ ብህፁፅ ጠጠዉ ክብል ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ውሳነ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ሓሳብ ዘለዎም ኣካላት ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ኮይኑ ከም ዝሰርሕ ገሊፁ።።

ኣብ ዝተመሓየሸ ደንቢ ውክልነኦም ብግልፂ ዝተቀመጠሎም ውድባት ፖለቲካ፣ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ኣካላትን ኣትዮም ሓላፍነቶም ኣብ ምውፃእ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።

@ASCENTIG


#update

DDR ዓርቢ ይጅምር

ተቛሪፁ ዝፀነሐ ዲዲኣር ዓርቢ 5መጋቢት 2017ዓ/ም ከምዝጅምር ሕጂ ሔበሬታ በፂሑና ኣሎ። ባሕቲ ክጅመር ተሓሳቡ እዃ እንተነበረ ብዝተፈላለዩ ነገራት ክጅምር ኣይኽኣለን ሕጂ ግና ዓርቢ ከምዝጅምር መርሃ ግብሪ ወፂኡ ኣሎ።

ሀ, በቢ መዓልቱ ናብ ማእኸል ተሃድሶ መለስ ካምፓስ ዝኣትው ኣባላት
ኻብ 5 - 22 መጋቢት 2017 ዓ/ም

ኣሃዱ - ግንባር ደቡብ = 1,855
ማእኸል ጥዕና ውግኣት = 3,772
ድምር = 5,627

ለ, ናብ ማእኸል ተሃድሶ ዕዳጋ ሓሙስ ዝኣትው ኣባላት

ኣሃዱ -ግምባር ምዕራብ =2,846
ግምባር ሰሜን ምብራቅ=2,531
ጠቅላላ ድምር = 5,477 ኣባል ይኣትው።

እዞም ሕጂ ናብ ማእኸል ተሃድሶ ዝኣትው ኣብ ሰራዊት ዘለውን ቅድም ኽብል ተመልሚሎምን ተሰናቢቶምን ዝፀንሑ ከም ወላዳት፣ ውግኣት ወዘተ ዝበሉ እዮም ተባሂሉ።እዚኦም ምስ ወፅኡ ድማ ካልኦት ይቅፅሉ ከምዚ ሰደቃ ከወፅኦሎም እዩ።

@ASCENTIG


"ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘብዒ ብሄራዊ ትካል ኮይኖም ፣ዋሕስ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክኾኑ እዩ ዝግባእ ፡ብሓይሊ ስልጣን ንሓደ ጉጅለ ንምርካብ ዝግበር ምንቅስቃስ ግና ንትግራይ ሓደጋ ሒዙ እዩ ዝመጽእ"

ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት

ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት ዝመስረታ ሰለስተ ውድባት ትግራይ ፣ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)፣ ውድብ ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)ን ውድብ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉእላውነትን (ዓረና)ን ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን ኣለዎ ።

ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት ፡ "ስልጣን ሓደ ጉጅለ ብብረት ክምልሱ ይንቀሳቐሱ ዘለው ገለ ኣካላት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ " ዝበልዎም ተግባሮም ደው ከብሉ እዩ ፀዊዖም ዘለው ።

እቲ ኪዳን "ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘብዒ ብሄራዊ ትካል ኮይኖም ፣ዋሕስ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክኾኑ እዩ ዝግበኦም ኢልና ኣብ እንጽውዐሉ ግዘ ፣ ኣካላት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሓደ ውድብን ጉጅለን ምዃኖም ብተደጋጋሚ ገሊጾም ኣለው " ኢሉ።

በዚ ኣካይዳ "ሓደ ጉጅለ ህወሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምሓዝ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣት የውድቖ ኣሎ" ክብሉ ዝኸሰሱ እቶም ኣመራርሓ እተን ውድባት፤ "ስልጣን ንዓይ እዩ ዝግባእ ኢሉ ዝኣምን ጉጅለ ህወሓት" ህዝቢ ክርዕድ ፣መንእሰይ ክሰግእን ክስደትን ምክንያት ይኸውን ኣሎ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም ።

ብሓይሊ ስልጣን ንሓደ ጉጅለ ህወሓት ንምርካብ ዝግበር ምንቅስቃስ ንትግራይ ሓደጋ ሒዙ እዩ ዝመጽእ"ብምባል ህዝቢ ትግራይ ነቲ ምንቅስቃስ ክኹንኖ ከምዝግባእን ነቲ ውሳነ ስዒቡ መናእሰይ ዓዶም ገዲፎም ይስደቱን ግዳይ ሞት ይኾኑ ከምዘለውን እውን ኣመላኺቶም።

ገለ ኣካላት ውሳነ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ " ትግራዋይ ካብ ትግራይ ክሃድም፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝነበሮም እምነት ክንክን ምኽንያት ይኸውን ኣሎ " ዝበሉ እቶም ኣመራርሓ እተን ውድባት "ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ዓዲ እናጠፈኣ ሱኽ ኢሉ ክርኢ ግቡእ ከምዘይኮነን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክወስድን" ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።

ዝኾነ ይኹን ብሓይሊ ዝመጽእ ምምሕዳር ቅቡልነት የብሉን ዝበለ ኪዳን ተጋሩ ንብሄራዊ ድሕነት " ኣካላት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ዝገብርዎ ዘለው ቅቡሉነት ዘይብሉን " ዝበልዎ ምንቅስቃስ " ንትግራይ ናብ ሕምስምስ ዘእቱን " ብሙኻኑ ደው ክብል ንፅውዕ ኢሎም ።

ኣብዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ኢድ ኣለውም ዝበልዎም ኣካላት ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ እውን እቲ ኪዳን ኣመላኺቱ።

ከም ህዝቢ መንግስትነትና ክንሕሉ ኣለና ዝበለ እቲ ኪዳን፣ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ብዝተፈጠረ ምፍንጫል መንግስትና ከፍርሱ ክንፈቅድ ኣይግባእ ኢሉ።

ዝተወረረ መሬትናን ህዝብናን ብሰለማዊ መንገዲ ክንመልስ ኢልና ዘውረድናዮ ብረት ሎሚ ንስልጣን ሓደ ጉጅለ ተባሂሉ ዝቐንዕ ብረት ክህሉ ኣይግባእን እውን ኢሉ።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ፓለቲካዊ ሓይሊ ዓርሶም ነጻ ከውጽኡን ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ንጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደጊፉም ሕግን ስርዓትን ክሰፍን ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ኣመራርሓ እተን ውድባት ኣመላኺቶም።

@ASCENTIG




ሎሚ ዕለት 1 መጋቢት 2017 ዓ/ም ኣብ ሙለእ ትግራይን ሱዳንን ዘለው ተመዛበልቲ ዝወከልዎም ካብ ዝተፈላለዩ IDP ታት ዝተወከሉ 40 ተወከልቲ ተመዛበልቲ ካብ ንጉሆኡ ጀሚሮም ኣብ ደጀን ቢሮ በሪ ዝተፀበዩ እንትኾኑ፣መልሲ ዝሃቡ ኣካላት ድማ "ሚድያታት ብዘይብሉ እተው ክንሰምዕኩም፣ ሚድያታት ግን ክኣትው ኣይንፈቅድን"ብምባሎም

ተወከልቲ ተመዛበልቲ ድማ "ብዘይ ሚድያታት እንገብሮ ዘተ ኣይህሉን፣ዘይጋዋሕ ዘተ ኣይንገብርን" ዝብል ዕላው መግለፂ ብምሃብ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ተመሊሶም።

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዝተወፃእፅኡ ተወከልቲ ንግዝያዊ ምምሕዳር ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣመራርሓ ፀጥታን ኣበላት ውድባትን ክረኽብዎም እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

@ASCENTIG


“እዋናዊ መግለፂ ካብ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ”

ከም ዝፍለጥ ዞባ ምብራቕ ኣብ ዝነበረ ናይ ፅንተት ኵናት መንግሰቲ ናብ ቦትኡ ንኽምለስ ዕድመ :ፆታ :ሃይማኖትን ፖለቲካን ኣፈላላይ ብዘይብሉ ዝተዃሸሐ :ዝተጎድአ : ዝተሰወአን ዝዓነወን ህዝቢ እዩ።

ብጅግንነቱ ከም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ከፊሉ ፕሪቶርያ ስምምዕ ክፍረም ብምግባር ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ዝገበረ ህዝቢ እዩ።

ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ህዝቢ ምብራቕ መንግስቲ ከይትነኽኡ ኢሉ ኣብ ዝቃለሰሉ ወቕቲ ብሓደ ፅምኢ ስልጣን ዘለዎ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየደ ተጠምዚዞም መግለፂ ብዘውፅኡ ውሱናት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ህዝብን ምምሕዳርን ዞባ ምብራቕ ከም ዝኾኖን ንህዝቢ ዘይጠቅም መግለፅን ምዃኑ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ እዩ።

ሕዚ እውን ግን እዚ ዞባ ከይረጋጋእ ናይ ሰራዊትና መርገፂ ዘይኮነ ብውሱናት ኣዘዝቲ ፀቕጢ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ ። ህዝብና እውን እናተቓለሶ ፀኒሑ እዩ ። ኣብዚ ሰሙን ድማ ብፍላይ ሎሚ ማዕልቲ ዕለት ለካቲት 30 / 2017 ዓ/ም ህዝቢ ዓዲግራት ብበለካ ለኽዕካ ከይረጋጋእን ፖሊስን ምልሻን ከተማ ዓዲግራት ዘይፈልጥዎ ፓትሮል ሰራዊት ምንቅስቓስ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካብ ሰዓት 10:00 ጀሚሩ ተራእዩ እዩ።

እዚ ምንቅስቓስ ነቲ ስልጣን ብሓይሊ ከሕድግ እየ ዝብል ጉጅለን ውሱናት ሓሻኽር ሰራዊት ኣዘዝትን ናይዚ ጉጅለ እምበር ናይ ሰራዊትና መርገፂ ከም ዘይኮነን ክሳብ ሐዚ ዝተፈፀመ እኩይ ተግባር ከምዘየለን እናፍለጥና ነዚ ህዝቢ ከይረጋጋእ እትገብሩ ኣካላት ካብ ተግባርኩም ክትቁጠቡን ኣብ መላእ ዓለም ዘለኻ ተወላዲ ዞባ ምብራቕ ኢሉ እውን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ብሓይሊ ዝፍፀም ተግባር ክትኩኑኖን ህዝባዊ ዝኾንካ ሰራዊትና እውን ኣብዞም ናይ እከይ ተግባር ዝሳተፉ በለፀኛታት ኣዘዝቲ ኢና በሃልትን ተግባር ከይትሳተፍ ፃውዒትና እናቕረብና እቲ ተግባር ኣብ ዝፍፀም ግን ዕልዋ መንግስትን ምፍራስ ውዕሊ ፕሪቶርያን ምዃኑ ህዝብን ምምሕዳርን ዞባ ምብራቕ ኣድሚዕና ንገልፅ።

ህዝብና ተረጋጋእ ከባቢኻ ቆቋሕ ኮይንካ ሓሉ።
ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስወኣትና!

ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ
ለካቲት 30 / 2017 ዓ/ም
ዓዲግራት




ዋዕሮታት ተጋደልቲ ኣርሚ 43 ስታፍ ኣብ 2013 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኣወጀ ፅንተታዊ ኵናት ኣብ ከተማ ሞኾኒ ፀላኢ ብዝደርበዮ ከቢድ ተወቒዓ ብሳእና ሕክምና ክሳብ ሐዚ ኣብ ገዛ ደቂሳ እትሳቐ ንዘላ ነባሪት ከተማ ሞኾኒ ወ/ሮ ብርሃን ሹሻይ 50 ኪሎ ፊኖ፣ 5 ሊትሮ ዘይትን 5040 ቅርሺ ጥረ ገንዘብን ብሓገዝ ኣበርኪተን።

@ASCENTIG


መግለፂ ቅዋም ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ( ዓዴፓ ) ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ።

ኣብቲ መግለፂ ንኣይተ ዶሪ ኣስገዶም ኣብ ኣባልነትን ኣመራርሓን ዘየለ ብዝብል ገሊፁዎ ኣሎ።

ዓሲምባ ኣብቲ ጊዝያዊ ቤትምኽሪ ኣትዪ ቃልሱ ከም ዝቅፅል እውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

@ASCENTIG


ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ፅጌ ካሕሳይ ብሓፈሻዊ ውፅኢት ተዓዋቲት ውድድር ብሽክሌታ ቱር ትግራይ ኮይና ብጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ተዓዊታ።

ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ብሽክሌታ ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተኻየደ ውድድር መፈፀምታ እንትረክብ ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ፅጌ ካሕሳይ ብሓፈሻዊ ውፅኢት ተዓዋቲት ውድድር ብሽክሌታ ቱር ትግራይ ኮይና።

ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ መርሃዊት ሓዱሽ ካብ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ሰርካለም ታየ ካብ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ዛዚመን።

ጋንታታት መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ፣ ትራንስ ኢትዮጵያ ፣ መቐለ 70 እንደርታ ን ጋንታ ኣማኒን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዛ ጋንታታት እየን።

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኬንያዊት ጋንታ ብሽክሌታ ኣማኒ ፉሉይ ሽልማት ተበርኪቱላ እዩ።

ብመወላይነት ባንኪ ወጋገን ፋብሪካ ልስሉስ መስተ ሞሃን ዝተኻየድ ውድድር ብሽክሌታ ቱር ትግራይ ካብ ከተማ ሸራሮ ብምብጋስ እዩ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ መፈፀምታ ረኺቡ። #TigrayTv

@ASCENTIG


“ፅንዓት ንስድራ ግዳያት”

ብ28 ለካቲት 2017 ዓ/ም ለይቲ ካብ ጅቡቲ ናብ ዶብ የመን ስደተኞታት ፂዒና ዝነበረት ጀልባ ናብ ባሕሪ ሰጢማ ልዕሊ 180 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ይግለጽ ኣሎ።

ካብቶም ህይወቶም ዘሓለፈ ልዕሊ 180 ሰባት ውሽጢ ብርክት ዝብሉ #ተጋሩ ዝርከብሉ እዩ። ክሳብ ሐዚ 9 ዝኾኑ ካብ ከባብታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዞቦ ምኻኖም ተፈልጡ መርድእ ይንገርሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ጣብያ ሆርዳ (6) ሰብ፣ ጣብያ ዋርግባ (2) ሰብ ጣብያ ቁሽት ቦየ ጋራርሳ (1) ሰብ ተረዲኦም ኣለው። ገና ኣድራሻኦም ደይትፈለጡ ኣሕዋትና እነሀው ይኦም ብጣዕሚ ያሕዝን!

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ጀግንነት ዘፈፀሙ መናእሰይ ስኣን ስእነት ስራሕን ኹናት ዝፈጠሮ ሻቅሎትን ፎቆዶ ስደት ከርተት ክብሉን ኣደዳ ድራር ዓሳ ይኮኑ ኣለዉ።

ዓዶም ኣልሚዖም ክበልዑ ምችው ሃዋህውን ዕድል ልቃሕን ክመቻቸወሎም ይግባእ።መራሕቲ ካብ ነንባዕልኩም ካብ ትናቆሩ ህዝቢ ይቅድም ህዝብኩም ኣድሕኑ ኩሉ ድሕሪ ህዝቢ እዪ።

ብሸፋቱ ዝተታሓዙ ድማ እናተሳቀዩ ካብ ወለዲ ቅርሺ ኣምፅኡ እናበሉ ወላዲ ጥሪቱ ሸይጡ እናላኣከ ጥራሕ ኢዱ ተሪፉ የእዊ ኣሎ።ዘይሕጋውያን ደላሎ ሰንሰለቶም ክብተክ ሰደት ጠጠው ክብል ብሓባር ንረባረብ።

@ACENTIG



18 ta oxirgi post ko‘rsatilgan.